ድለ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ንዝገበርዎ ኣገልግሎት የመስግኑ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ንዝገበርዎ ኣገልግሎት የመስግኑ  (VATICAN MEDIA Divisione Foto)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ንሰራሕተይናታት ቫቲካን ንዝገበርዎ ኣገልግሎት የመስግኑ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ዕለት 21 ታሓሳስ 2024 ዓ.ም. ምስ ሰራሕተይታት ቅድስቲ መንበርን ግዝኣት ቫቲካንን ከተማ ቫቲካን ኣብ ናይ ቅዱስነቶም ሰበኻ ሮማ - ስራሕተይናታት ከምቲ ልሙድ ብምኽንያት በዓለ ልደት ዓመታዊ ሰላምታ ንምልውዋጥ ኣብ ዘካየድዎ ርክብ፥ ነቶም ስራሕተይናታት ኣገልግሎቶም መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ መላእ ዓለም ንምዝርጋሕ ዝዓለመ ምዃኑ የዘኻኽሩ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ፍራንቸስኮ ንዓመታዊ በዓለ ልደት ሰላምታ ንምልውዋጥ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንሰራሕተይናታት ቅድስቲ መንበርን ኣመሓዳሪ ሃገረ ቫቲካንን ሰበኻ ሮማ ተቐቢሎም፥ ነቲ ንቫቲካንን ንኵላዊት ቤተ-ክርስትያንን ዚገብርዎ ዕዮ ብምምስጋን፥ ኣብ ጎደናታትን መረባታትን ከተማ ቫቲካንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ኣብያተ ጽሕፈታትን ዝተፈላለዩ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት፥ ነፍሲ ወከፍ ሰራሕተይና ምስ ኵሉ እቲ ዝግበር ንጥፈታት ዓብይ መንህብ ናይ ምዃን ስምዒት ከም ዝስምዖ ገሊጾም፥ " ነቶም ሕጂ ዚሰርሑ ዘለዉን ኣብኡ ክርከቡ ዘይክእሉን ነዚ ኣኼባ እዚ ኸም ዚከኣል ንዝገበሩን ኩሎም የመስግኑ።

ኣብ ቅድሚ ብድሆታት ዘተ

ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ጸገማት ኣብ ዝገጥመሉ እዋን መፍትሒ መታን ክርከብ ዘተ ወሳኒ እዩ፡ "ኩሉ ግዜ ዘተ ክህሉ±" ኩሉ ሰብ ኣብ ዝሰርሓሉ ቦታ ምስቶም ሓላፍነት ዘለዎም ክራኸብን ከመኻኸርን ክዝትን ድማ ኣተባቢዖም፥

ኣብተን ሕቡኣት ናዝሬት

ኣብታ ንእሽቶ ሃገረ ቫቲካን ሓደ ሰብ "ምስ ካልኦትን ንኻልኦትን ንኹሉ ጽቡቕ ነገር ይሃንጽ" ኢየሱስ "ወልደ እግዚኣብሄር" እውን ዕዮ ኸም ዝዓየየ ብምዝካር፡ ኣብ ቤት ዕዮ ዮሴፍ ንዓና ካብ ዘሎዎ ፍቕሪ ተበጊሱ ትሑት ጸራቢ ኮይኑ ከም ዝሰረሐ ኣጒሊሖም። . . . ኣብ ናዝሬት ዳርጋ ዋላ ሓደ ዚፈልጦ ኣይነበረን፡ የግዳስ ኣብ ቤት ዕዮ ጸራቢ ሓቢሩ ብዝተፈላለየ መዳይ ድማ ድሕነት ዓለም ብኢደ ጥበበይናታት ዝሕነጽ ምዃኑ የረጋግጽ፡ ብተመሳሳሊ "እዚ ንዓኻትኩም እዩ ዚምልከት፡ እዚ ኸኣ ንዅሎም ደቂ ሰብ ናብ ክርስቶስ ንምምጻእን መንግስቱ ኣብ ዓለም ንምዝርጋሕን ብመዓልታዊ ዕዮኹም ኣብቲ ሕቡእ ዝዀነ ቤት ናዝሬት ብእትፍጽምዎ ዕዮ ኣቢልኩም ትዋስኡ" ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ከም ማሕበረሰብ ስድራቤት ምዕባይ

ቀጺሎም ቅዱስነቶም ነቲ ናይ በዓል ሃዋህውን ኣብቲ ርክብ እውን ህላወ ብዙሓት ህጻናትን ዝፈጥረሎም ሓጎስ ገሊጾም፥  ብዛዕባ ክቡር ዋጋ ስድራ ቤት ኣማእኪሎም፥ "ንስድራ ኣፍቅሩ" እዚ ድማ "ኣብ ሓዳር ዝተመስረተን ሱር ዝሰደደን፡ ህይወት ዝፍጠረሉ ቦታ እዩ።" ስድራ "ካብ ንእስነቱ ኣትሒዙ ምስታ እትመሓላለፍ እምነት" ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ምስጢራትን ንሓድሕድካ ምትሕልላይን ፍቕሪ ምዕባይን እንመሃረላ ናይ መጀመርታ ማሕበረሰብ ምዃና ኣስተብሂሎም፥

"ስለዚ ኣብ ስድራ ቤት ወለዲ ውሉዳት ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ደቂ ደቅን ዓብዪ ኣገዳስነት ኣለዎም፡ ወትሩ ሓድነት ክህልወኩምን ንሓድሕድኩም ክትተሓላለዩ ኣብ ጐይታ ኽትቀራረቡን አተባብዓኩም፣ እዚ ኸኣ ብኣኽብሮትን ጽን ብምብህሃልን ንሓድሕድኩም መታን ክትከናኸኑ እዩ!

ስክፍታ ንጉዳይ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን

ወለዲ ምስ ደቆም ዘሕልፍዎ ግዜ ክህልዎም ድማ ኣተባቢዖም፥ ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣረጋውያንን ኣረጋውትን ሸለል ከይበሃሉ ድማ ኣተሓሳሲቦም፥

“ንኣቦሓጎታትኩምን ኣደሓጎታትኩምን ትበጽሕዎም ዶ?  ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ ስድራቤት ድዮም ዝነብሩ ወይስ ዝኾነ ሰብ ከይበጽሖም ኣብ መዕቆቢ ጡረታይናታት እዮም? ኣቦሓጎታትን ኣደሓጎታትን ኣብ መእለይ ጡረተይናታት ኪህልዉ ዝከኣል እዩ ግን ወትሩ ብጽሕዎም ሓደራ!

ከም ስድራቤት ብሓባር ንጸሊ

ምስበሉ ኣስዒቦም ኣብዚ ናይ ልደት በዓላት ህሞት እዚ ኣብ ቅድሚ እቲ ናይ ልደት መግለጺ ዝኾነ ስፍራ ብምትእኽኻብ ከም ስድራቤት ብሓባር ጸሎት ክግበር ተላብዮም፥

“ብዘይ ጸሎት ሓደ ሰብ ንቕድሚት ኣይስጉምን እዩ፣ ኣብ ስድራቤት እውን ከይተረፈ። ንደቅኹም ጸሎት ምሃሩ . . . ኣብዘን መዓልታት እዚኣተን ተኣኪብኩም ንእግዚኣብሄር ስለ ህያባቱ ከተመስግንዎን ንመጻኢ ሓገዝ ክትልምኑሉን ኣብ ነንሕድሕድኩም ዘለኩም ፍቕሪ ኣብ ቅድሚ ሕጻን ኢየሱስ ከተሐድሱ ግዜ ክትረኽቡ ኣላቦ”

ናይ ጽምብል ህሞት

ቢሎም መደረኦም ምስ ዛዘሙ ንዅሎም እቶም ኣብኡ እተረኽቡ ብፍላይ ከኣ ነቶም ምስ ወለዶም ንዝተረኽቡ ሕጻናት ንኣሽቱ ህያባት ልደት ዓዲሎም ሰላምታ ተለዋዊጦም ናይ ሓባር ስእሊ ከም እተሳእሉ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

23 December 2024, 16:27