ድለ

2024.11.20 PIAZZA SAN PIETRO 2024.11.20 PIAZZA SAN PIETRO  

ኣስተምህሮታት ሱባኤ ዘመነ ምጽኣት ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ ተስፋ ዘረኮረ ክኸውን ኢዩ

ቀቅድሚ በዓል ልደት ኣብ ዘሎ ሰለስተ ዓርቢ ማለት ኣብ ዕለታት 6ን 13ን 20ን ወርሒ ታሕሳስ ዝኻየደ ኣስተንትኖታት እቶም ሓድሽ ሰባኺ ቤት ጳጳስ ዝኾኑ ካፑቺናዊ ካህን ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ኣብቲ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ዝርከብ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ንነበርቲ ቤተ-ጳጳስ ኣስተንትኖታት ከካፍሉ ኢዮም።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

"ኣፍደገ ተስፋ፣ ናብ ምኽፋት ቅዱስ ዓመት ብትንቢት በዓለ ልደት" ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ክኸውን ኢዩ፣ እዚ ፍረ ነገር ናይተን ቅድሚ በዓል ልደት ኣብ ዘሎ ነፍስወከፍ ዓርቢ ልክዕ ሰዓት 9፡00 ናይ ንግሆ በቶም ሓድሽ ሰባኺ ቤተ-ጳጳስ ዝኾኑ ካፑቺናዊ ካህን ክቡር ኣባ ሮበርቶ ፓሶሊኒ ኣብ ኣደራሽ ጳውሎስ ሻድሻይ ዝቐርብ ሰለስተ ኣስተንትኖታት ዘመነ ምጽኣት ክኸውን ኢዩ።

እዚ ኣስተንትኖታት እዚ ንካርዲናላት ንሊቃነ-ጳጳሳትን ንጳጳሳትን ከምኡውን ንምእምናን ኣባላት ቤተ-ጳጳስ ከምኡውን ንሰራሕተኛታት ናይ ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ቅድስቲ መንበርን ከምኡውን ንኣባላት ቤትጽሕፈት ዓቃቤ መንበር ሰበኻ ሮማ ዝቐርብ ክኸውን ኢዩ። ብተወሳኺውን እዚ ኣስተንትኖታት እዚ ነቶም ጠቕለልቲ ኣሕሉቕ ማሕበራት ወይ ላእካነ ማሕበራት ኽፍሊ ጳጳሳዊ ቤተጸሎት ዝዀኑ ማሕበራት ሰብ ውፉይ ሕይወት ዝሳተፍዎ ኢዩ።

መዓጹ ኣድናቖትን እምነትን ከምኡውን ትሕትና

ክቡር ኣባ ፓሶሊኒ ኣብቲ ካብ ሓለቃ ቤተ-ጳጳስ እተላእከ ናይ ዕድመ ወረቐ ናብ ናይ ዓርቢ ኣስተንትኖታት ከምዚ ክብሉ ጸሓፉ - "ኣብዛ ዓመት እዚኣ ኣብ ዘመነ ምጽኣት ንበዓለ ልደት የዳልወና ጥራይ ዘይኰነስ ናብታ እትመጽእ ዓመተ ኢዮቤል እውን ዘሰንየና ኢዩ።” ወሲኾም ድማ ከምቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣባ ነዚ ዓመተ ኢዮቤል ንምእዋጅ ዝጸሓፍዋ “ተስፋ ኣይተሕፍርን ኢያ” ዘርእስታ ሓውርያዊት ምእዳን፣  እዚ ሊጡርጊያዊ ዘመን እዚ "ነቲ ኣብ ክርስቶስ ዘሎ ርግጽ ተስፋ ድሕነት ኣብ ልቢ ዘነቓቕሕ ሓያል ተመክሮ ፍቕሪ ኣምላኽ" ንምሕዳስ ናይ ጸጋ እዋን ምዃኑ ገለጹ።

"ድምጺ ነብያት ኣብዚ ሊጡርጊያዊ ዘመን እዚ ስለ ዘሎን ኣትሪሩ ስለ ዝዛረበናን ናብታ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ እንኸደላ መገዲ ኣንፈትና ኸይንስሕት ኣበርቲዑ ይምሕጸነና ኢዩ" ብምባል እቶም ነዚ ድምጺ እዚ ኽንሰምዖ ጻውዒት ዘቕርቡልና ካፑቺናዊ ሓው "ነቲ ናብ ምስጢር ደቅሰብ ብሓድሽ ተስፋ ዝመርሓና መዓጹ ኣፍልጦ ንኽንህበሉ" የጕልሑ። እዞም ሰባኺ ቤት ጳጳስ ከም ዝገለጽዎ እዚ መዓጹ እዚ "ነቲ ኣብ ዓለምን ኣብ ታሪኽን ተዘርዚሩ ዘሎ ዝርአ ወንጌል ንምድናቕ "ብኣኽብሮትን ብኽፉት ልብን ናብ ካልኦት ንምኻድ ከምኡውን ኣብ መወዳእታ ገዛእ ርእስና ንምዃን ከይንፈርህ ማዕጾ ትሕትና" ከም ምዃኑ ገለጹ።

"ስጕምቲ ውሽጣዊ ተሓድሶ"

እዛ ቅድስቲ ዓመት እናቐረበት ኣብ እትኸደሉ ዘላ ኣመሓዳሪ ቤተ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ጳውሎስ ሻድሻይ ኣብ መኽፈቲ ዓመተ ኢዮቤል 1975 እተዛረብዎ ኸምዚ ዝስዕብ ብምባል ይዝክሩ - "ዓመተ ኢዮቤል ቀሊልን ዓሚቝን መንፈሳዊ ተግሳጽ ብምሃብ ከምኡውን ብምሳልያዊ መገዲ ማዕጾ ምሕረትን ይቕረታን ብምኽፋት ነቲ ውሽጣዊ ለውጢ ንምምልካት ኢዩ።  ትብዓት ዝመልኦ ናይ ስነ-ምግባራዊ ሓቀይና ስጕምቲ (...) ናይ ልቢ ለውጢ ኢዩ።" እዘን ቃላት እዚኣተን ብዛዕባ ትርጕም ዓመት ጸጋ ንኸነስተንትንን ብኸመይ ከም እንነብረላ ንኽንሓስብን የተባብዓና ።

03 December 2024, 15:33