ድለ

2024.12.02 Alessandra Smerilli synodality india new delhi 2024.12.02 Alessandra Smerilli synodality india new delhi 

እናቴ ስመሪሊ ፦ ኣብዛ ትለዋወጥ ዘላ ዓለም ሲኖዳውነት ንናይ ቤተ ክርስትያን ተልእኾ ኣገዳሲ እዩ

ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ናይቲ ብዛዕባ ጉዳያት ምኡእ ሰብኣዊ ዕቤት ዝሓሊ ላዕለዋይ ቤትጽሕፈት ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊትም፣ ኣብ ህንዲ ኣብ እትርከብ ከተማ ኒው ደልሂ ኣብ እተኻይደ ዋዕላ ኣብ ዘቕረባኦ መደረ ካቶሊካዊት ቤተ-ክርስትያን ንሲኖዳውነት ከም ሓደ ሥርዓተ ኣነባብራ ገይራ ክትቅበሎ ከም ዘለዋ ገለጻ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ክብርቲ እናቴ ኣሌሳንድራ ስመሪሊ ኣብቲ ኣብ ኒው ደልሂ ኣብ ዝርከብ ቤት ሊቀ - ጳጳሳት ኣብ ዘቕረባኦ መደረ እዚ አገባብ ሲኖዳውነት እዚ ኣብዛ እትቀያየር ዘላ ዓለም ንተልእኾ ቤተ - ክርስትያን ኣገዳሲ ምዃኑ ገለጻ ።

ሓፈሻዊ ቤትጽሕፈት ጉባኤ ብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ ከም ዝገለጽፕ  ዶ/ር ስመሪሊ ነቲ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ኣብ ሕብረትን ተሳትፎን ከምኡ ውን ወንጌላዊ ተለኾን ዘተኰረ ናይ ሲኖዶሳዊት ቤተክርስትያን ኣረኣእያ ከም ዘጕልሕ ጸብጻብ ኣቕረባ ።

"ቤተ-ክርስትያን ንሲኖዳውነት ኸም ሜላ ጥራይ ዘይኰነስ ከም ሓደ ኣብ ሓድነት ዝሓቍፍን ተልእኾኣ ኸም ብሓድሽ ዘበራብርን ሥርዓተ ኣነባብራ ከም ምዃኑ ክትቅበሎ ኣገዳሲ እዩ" በላ።

እቲ ብዕለት 30 ሕዳር "ሓድሽ መገዲ ቤተ-ክርስትያን ከም ሲኖዳውነት" ብዝብል ኣርእስቲ እተኻየደ ዋዕላ ካብ ሰሜናዊ ዞባታት ህንዲ ናይ ሥነ-መለኮት ምሁራንን ከምኡውን ተወከልቲ ምእመናንን ዝተሳተፍዎ ንዕዮ ቤተ-ክርስትያን ብኸመይ ክመርሖ ከም ዝኽእል ተመያየጡ።

ናይ ሰበኻ ደልሂ ሊቀ - ጳጳሳት ኣኒል ጆሴፍ ቶማስ ኩቶ ዋና ጸሓፊ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ህንድን ነቲ ዋዕላ ብምኽፋት፣ ንሓድነትን ንምክፋል ሓላፍነታትን ኣብ ቤተክርስቲያን ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ሲኖዳልቲ ነቲ ኣብ ውሽጢ በበይኑ ዝዓይነቱን ሓባራዊ ሜመያን ዘሎ ሓድነት ዘጕልሕ ሓድሽ ናይ እምነት ጕዕዞ ኢዩ ዘመልክት" ክብሉ ውን ገለጹ።

ክቡር ኣባ ክሪስቶፈር ቪማልራይ ተሓጋጋዚ ምክትል ዋና ጸሓፊ ቤትምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ህንድን ነቲ ናብ 2033 ዓመተ ኢዮቤል ድሕነት ዚመርሕ ዕዮ ወንጌላዊ ተልእኾን ሓዋርያዊ ጕስነትን ዚምልከት መደብ ሓዋርያዊ ጉስነት ቤት ምኽሪ ብፁዓን ጳጳሳት ህንዲ 2033 ኣቕሪቦም።

እቲ እተኻይደ ዋዕላ ንተልእኾ ቤተ-ክርስትያን ምስ ስርዓታት ስኒት ንምስምማዕ ኣብ እተገብረ ምይይጥ ዘተኰረ ኢዩ ዝነበረ፣ እዚ ድማ ሓባራዊ ሓላፍነትን ተሳትፎን ዘጕልሕ ኢዩ።

እቶም ተሳተፍቲ እዚ አገባብ እዚ ነቲ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ሕብረተሰብ ዘለዋ ግደ ብኸመይ ከም እተደልድሎ ድማ ኣስተንቲኖም ኢዮም።

03 December 2024, 15:29