ሓደ ካብቶም ሓድስቲ ካርዲናላት ናይ መጀመርታ ተግባሮም ምስ ድኻታት ተደሩ
ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን
ብዕለት 7 ታሕሳስ 21 ሕጹያት ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ብርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ናብ መዓርገ ካርዲናልነት ድሕሪ ምድያቦም ቍጽሪ ካርዲናላት እናዓበየ ይኸይድ ኣሎ። እቶም ካብ 17 ሃገራት ዝመጹ ሓደስቲ ካርዲናላት ኣድማሳዊ ባህርይ ናይታ ቤተ - ክርስትያን ኢዮም ዘርእዩ ። ሓደ ካብዞም ሓደስቲ ካርዲናላት ዝኹኑ ፈረንሳዊ ሊቀ-ጳጳሳት ኣልጀርያ ንዜና ቫቲካን ብዛዕባ እቲ ከም ሓዲስ ካርዲናል መጠን ዝገበርዎ ናይ መገምርታ ተግባሮም መግለጺ ኣቕረቡ።
ህያብ ምክፋል
ብፁእ ካርዲናል ዣን-ፖል ቨስኮ ኣብታ ካርዲናልነት እተቐበሉላ ኻልአይቲ ምሸት ምስ ድኻታት ድራር ክካፈሉ ተረኽቡ። እቲ ኣብ ሃገእ ቫቲካን ዚርከብ ክበብ ኣትለታውያን ምስ ኣባላት ማራቶን ሮማ ብምትሕብባር ነቶም ኣብ ጥቓ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ዚርከብ መሓብሐቢ ድኻታት ምስ ዝርከቡ ድራርን ንኣሽቱ ህያባትን ኣካፈልዎም።
ብፁዕ ካርዲናል ቬስኮ ነቲ ሓድሽ መደቦም ንደቂሰባት "ውህበት ንኼካፍሎም" ኣጋጣሚ ስለ ዝኸፈተሎም፣ ናብ ድራር ስለ ዝዓደምዎም ውን ምስጋናኦም ገለጹ። ነቲ ኣጋጣሚ "ብዙሕ ፍቕሪ" ኸም ዝመልኦም ውን ገለጹ።
ካብ ልዮን ናብ ሮሜ
ብ1962 ኣብ ልዮን ፈረንሳ እተወልዱ ካርዲናል ዣን-ፖል ቨስኮ ወዲ 34 ዓመት ምስ ኮኑ ናብ ማሕበር ዶመኒካዊ ስርዓት ቅድሚ ምእታዎም ናይ ሕጊ ጠበቓ ዀይኖም ኺዓዩ ጀመሩ። ድሕሪ ዓሰርተው ሽዱሽተ ዓመት ድማ ኣቡን ኦራን ኣልጀርያ ዀይኖም ተሸሙ ቅድሚ ኣህጉራዊ ጉባኤ ኣልጀርያ ድማ ተወካሊ እቲ ሰበኻ ኰይኖም ኣገልገሉ። ብ2022 ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንቸስኮ ሊቀ ጳጳሳት ኣልጀርያ ኮይኖም ከገልግሎ ሾምዎም ።
ኣብ ኣልጀርያ ዘሎ ዅነታት
ኣልጀርያ ንልዕሊ 100 ዓመት ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፈረንሳይ ድሕሪ ምጽናሕ ብ1962 ናጻ ዀነት ። ድሕሪ ዕስራን ትሽዓተን ዓመት እታ ሃገር ኣብ መንጎ እቶም ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝዀኑ ተቐናቐንቲ ዕጡቓት ሰራዊትን ውግእ ሓድሕድን ክትሳቐ ጸንሐት። ልዕሊ 100,000 ሰባት ድማ ተቐትሉ ።
ሎሚ ኣልጀርያ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበያ ኣቕረብቲ ተፈጥሮኣዊ ጋዝ ስለ ዝዀነት፣ ሓንቲ ኻብተን ኣብ ኣፍሪቃ ዚርከባ ዝዓበየ ቝጠባ ጸጋታት ዘለዋ ሃገር እያ። እዛ ሃገር እዚኣ ብከፊል ርእሰ ብሔራዊ ሥርዓተ ምሕተራ እትምራሕ ቀዳማይ ምኒስተርን ርእሰ ብሔርን ዘለዋ ኢያ። እንተዀነ ግን ሓሳብካ ናይ ምግላጽ ነጻነትን፣ ነጻነት ሕትመትን ምንቅስቓሳትን ከምኡ ውን ምትእኽኻብ ብሰበ - ስልጣን ኣልጀርያ ተጻሚጹ ከም ዝርከብ ጸብጻባት ዓለም 2024 ይሕብር ።