ድለ

SYRIA-CONFLICT SYRIA-CONFLICT  (AFP or licensors)

ካርዲናል ዜናሪ ኣብ ሶርያ ብዛዕባ ዘሎ ተስፋ ዕርቅን ምስራዝ እገዳታትን ገለጹ

ሰዓብቲ እምነት ምስልምና ዝዀኑ ተቐናቐንቲ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሶርያ ዝዀነት ደማስቆ ብምእታዎም ርእሰ ብሔር እታ ሃገር ኣል-ሳድ ከኣ ካብታ ሃገር ሃዲሙ። እቶም ኣብ ደማስቆ ዝርከቡ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ብዛዕባ እታ ሕጂ ኣብ ኢድ ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ዘላ ርእሲ ኸተማ ሶርያ ዘሎ ኣብ ዘሕለፋ ናይ መወዳእታ ሰዓታት ንዘሎ ኩነታት መግለጺ ሃቡ፣ እታ ሃገር ክትጥዒ ሰላማዊ ህላወ ኽህልዋ ልዕሊ ዅሉ ድማ ንሃይማኖታዊ ልምድታት ኣኽብሮት ክህልዋ ዘለዎም ተስፋ ውን ገለጹ ። ኣህጉራዊ እገዳታት ኺስረዝ ከም ዘለዎ እውን ምሕጽንታኦም ኣቕረቡ ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ሰዓብቲ እምነት እስልምና ዝዀኑ ተቐናቐንቲ ጉጅለ ናብታ ርእሲ ኸተማ ሶርያ ዝዀነት ደማስቆ ድሕቲ ምእታዎም ርእሰ ብሔር ሃገረ ሶርያ ኣል-ሳድ ካብታ ሃገር ሃዲሙ ኣብ ሃገረ ሩስያ ተዓቚቡ ይርከብ ኣሎ።

እቶም ተቐናቐንቲ ኣብ ደማስቆ ቕድሚ ምእታዎም ንኸተማታት ኣሌፖ ሃማ ከምኡውን ሆምስ ብተኸታታሊ ድሕሪ ምቁጽጻሮም ዝሓለፈ ሰሙን ኢዮም ነቲ ፍሉይ ስርሒት ዝጀመርዎ ።

ዝሓለፈ ሰንበት ንግሆ ሓይልታት ተቓወምቲ ነቲ መንግስታዊ መደበር ቴሌቪዥን ሬድዮን ተቘጻጸርዎ 'ንደማስቆ ኸም እተቖጻጸርዋን መንግስቲ ርእሰ ብሔር ባሻር ኣል-ሳድ ከም ዘብቅዐን' ድማ ገለጹ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ሶርያ ነበር መሓመድ ጋዚ ጃላሊ ነታ ሃገር ኣብ ዘቕረቦ መደረ ኣብ ስልጣኑ ኸም ዚቕጽልን ንዝቕጽል ምምሕዳር እታ ሃገር ንምድጋፍ ድማ ድሉው ምዃኑን ገለጸ።

መራሒ ጕጅለ ተቐናቐንቲ ሃይት ታሂር ኣል-ሻም (HTS) ዝዀነ ኣቡ መሓመድ ኣል-ጁላኒ ንሰራዊቱ ብወግዒ ኽሳዕ ዝመሓላለፉ ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ከም ዚጸንሑ ብምግላጽ ወተሃደራት ናብ ህዝባዊ ህንጻታትን ትካላትን ከይቀርቡ ከልኪልዎም ይርከብ ኣሎ።

ደማስቆ ምውዳቓ ስድራ ቤት ኣሳድን ሰልፊ ባት ሶርያን ን50 ዓመት ዚኣክል ዚገዝኡሉ እዋን እዩ ነይሩ ። ባሻር ኣል-ሳድ ንኣቦኡ ምስ ተክኦ ንመጀመርታ ግዜ ተሓድሶ ኸም ዝገበረ ጌርካ እዩ ዚርአ ነይሩ፣ ኣብ ጽድያ ኣዕራብ ኣብልዕሊ ተቓወምቲ ብዘውረዶ መጥቓዕቲ ግን ነዊሕ ከይጸንሐ እዚ ስም እዚ ተደወነ።

ኣብቲ እዋን እቲ ኣብ ልዕሊ ዘውረዶ ግፍዒ እንተላይ ኣብ ልዕሊ ተቐናቐንቲ ጉጅለታት ኬሚካላዊ ኣጽዋር ኪጥቀም ብምጅማሩ ኢዩ ።

ምስ እዚ ሓጺር ናዕቢ እዚ ብዝተታሕዘ ሰላማውያን ሰባት እዚ ውግእ ቅድሚ ሓደ ሰሙን ካብ ዝባራዕ ኣትሒዙ ልዕሊ 300,000 ሰባት ካብ መረበቶም ከም እተመዛበሉ ው. ሕ. ሃ. ገሊጹ።

ው. ሕ. ሃ. ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰላማውያን ሰባት ከም እተቐትሉ ወይ ከም ዝቘሰሉ እንተ ወሓደ 370,000 ሰባት ከኣ ከም እተመዛበሉ ኣመልኪቱ ኣሎ።

ኣሳድ ኣብ ልዕሊ ተቓውሞታት ደሞክራሲ ዘውረዶ ውግእ ሓድሕድ ብ2011 እዩ ጀሚሩ ።

ኣብ ሶርያ ዝርከቡ ብፁዕ ካርዲናል ማሪዮ ዜናሪ ሓዋርያዊ ልኡኽ ቅድስቲ መንበር ኣብ ሶርያ ምስ ፍራንቸስካ ሳባቲነሊ ጋዜጠይና ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ  ህልው ኩነታት ኣብ ደማስቆ ኸምኡውን ናብ ደሞክራስያዊ መንግስቲ ሰላማዊ ምስግጋር ኺገብር ዘለዎ ንገራት ኣመልኪቶም ገለጹ ።

ብፁዕነቶም፣ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ሰዓታት እንታይ እዩ ኣጋጢሙ ዘሎ ?

"ካብ ሰዓት ሓሙሽተ ናይ ንግሆ ኣትሑዘ ኽድቅስ ኣይከኣልኩን፣ ብተደጋጋሚ ተዅሲ እሰምዕ ስለ ዝነበርኩ ብፍርሂ ተዋሒትና ኢና ዘሎና። ሕጂ እውን እንተ ዀነ ኣብ ጐደናታት ተዅሲ ይስማዕ ኣሎ፣ እንተዀነ ግን ኣብዚ ልሙድ ዝዀነ ነገር ኢዩ። እቲ ብዙሕ ጭንቀት ዘስዓበ ጕዳይ ስለ እተፈትሐ ሰባት ብሓጐስ ናብ ኣየር ይትኵሱ ኣለዉ። ንኣምላኽ ምስጋና ይብጽሓዮ፣ እዚ መሰጋገሪ ግዜ እዚ ብዘይ ምፍሳስ ደም ብዘይ እቲ ዘፍርህ ህልቂት ኢዩ ተፈጺሙ። ሕጂ እታ ኣብ ቅድሜና ዘላ መገዲ ኣጻድፍ ኢያ ዘላ እቶም ስልጣን ዝሓዙ ንዅሉ ሰብ ከኽብሩን ሓድስ ሶርያ ክሃንጹን ምዃኖም ተመባጺዖም ኣለዉ። ነዚ መብጽዓታት እዚ ክፍጽምዎ ተስፋ ንገብር እኳ እንተ ዀንና፣ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ መገዲ ግን ኣዝዩ ኣጸጋሚ እዩ።"

ክርስትያናዊ ማሕበረሰብ ኣብ መጻኢ እንታይ ከም ዚጽበ የተሓሳስበኩም ዶ ?

"እቶም ተቐናቐንቲ ጉጅለ ምስቶም ኣብ ኣሌፖ ዝነበሩ ጳጳሳት ድሕሪ ዓወት ብኡንብኡ ተራኺቦም ንእተፈላለያ ሃይማኖታትን ክርስትያትናን ከም ዜኽብሩ ድማ ኣረጋገጹሎም። ነዚ መብጽዓ እዚ ሓልዮም ናብ ዕርቂ ክኸዱ ተስፋ ንገብር ። ኣብ ርእሲ ዕርቂ ሶርያ እውን ሰባት ብዓቕሞም ስለ ዝበጽሑ እተወሰነ ብልጽግና ክርከብ ተስፋ ንገብር። ሰባት ይሃድሙ ስለ ዝነበሩ ኣብታ ሃገር ብህይወት ኪነብሩ ኣይከኣሉን ።... ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ኽልተ ዓመት መንእሰያት ኣብ ሃገሮም መጻኢ ስለ ዘይረኣዩ ጥራይ እዮም ኬምልጡ ዚደልዩ ዝነበሩ ። ሕጂ ግና እቲ ዝረኣናዮ ነገር ኪመውትን እቲ ተስፋ ዝተረብረሉ ወይ ድሮ ሞይቱ ስለ ዝነበረ ሕጂ ግና ናይ ተስፋ ማዕጾ ኺኽፈት ተስፋ ንገብር። ስለዚ ብሓገዝ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብን ስምረት ኵሎም ሶርያውያንን ናብ ዕርቂን ዳግመ ህንጸትን ከምኡውን ናብ ዝለዓለ ብልጽግና ዚመርሕ መገዲ ኺጅምር ተስፋ ንገብር።"

ብዛዕባ እቲ ዜጋጥም ዘሎ ነገራት ዜተሓሳስቦ ዘሎ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጠቒስኩም ኣሎኹም። ዓበይቲ ሓይልታት ኣብዚ እዋን እዚ እንታይ ግደ ኺህልዎም ኣለዎ ?

"እቶም ስልጣን ዝሓዙ ነቲ ኣብ ደሞክራስያዊ ስርዓታት ተመርኲሶም ሓዳስ ሶርያ ንኽምስርቱን ንኽፈጥሩን ዝኣተዉዎ መብጽዓ ኽሕልውዎ ተስፋ ንገብር እኳ እንተ ኾና፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ እውን ምናልባት ንድኻታት ከቢድ ጾር ስለ ዝዀነ ንእገዳታት ብምፍራስ ምላሽ ክህቡሉ ኢና እንምነ። በብቝሩብ እዚ እገዳታት እዚ ኺስረዝ ውን ተስፋ ንገብር።"

10 December 2024, 12:50