ር.ሊ.ጳ. ነቶም ኣብ ጀርመን ግዳያት መጥቃዕቲ ዝኾኑ ጸሎቶም ቅርበቶም የረጋግጹ
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ፈደራላዊት ጀርመን ርእሰ ብሔር ሽታይንማይር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ቴሌግራም፡ ኣብ ጀርመን ከተማ ማግደበርግ ኣብ ዝርከብ ዕዳጋ ልደት ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዝሞቱን ዝቖሰሉን ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፡ ንኣባይቲ ስድራ ግዳያት ቅርበቶምን ጸሎትምን ከም ዘረጋገጹ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣፍሊጡ።
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ጀርመን ከተማ ማግደበርግ ዓርቢ ዕለት 20 ታሕሳስ ምሸት ኣብ ዕዳጋ ልደት ሓንቲ ማኪና ናብቲ ብዙሕ ሕዝቢ ዝንቀሳቐሰሉ ዝነበረ መገዲ ብናህሪ ብምእታው ሓደ ወዲ ትሽዓተ ዓመት ዝዕድመኡ ህጻን ዝርከቦም እንተ ወሓደ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተቐትሉን ልዕሊ 200 ድማ ማህሰይቲ ከም ዝወረዶም ምስ ተሓበሮም፡ ኣብቲ ናይ ቅድስቲ መንበር ዋና ጸሓፊ ካርዲናል ፒየትሮ ፓሮሊን ክታም ዝተነብሮ ናብ ርእሰ ብሔር ፈደራላዊት ጀርመን ፍራንክ - ቫልተር ሽታይንሜየር ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ተለግራም፥ "ስቓይ ናይቶም እተጐድኡ እካፈል" ከምኡውን "ንዅሎም ግዳያት መንፈሳዊ ቅርበተይ ኣረጋግጽ ከም ዝበሉ ዝሓበረ ናይ ቅድስቲ መንበር ዜናን ክፍሊ ማሕተምን መግለጺ ኣስዒቡ፥ "ኵሎም እቶም ኣብዚ ኣጸጋሚ እዋን እዚ ነቶም ግዳያት ንምድጋፍ ዝዓዩ" እውን ቅርበቶምን ጸሎትምን ብምርግጋጽ፥ "ነቶም ዝተቐትሉ፥ ተስፋና ንዝኾነ ክርስቶስ ሕድሪ ብምሃብ፥ መለኮታዊ ደገፍን ምጽንናዕን ንዅሎም ካብ መዓሙቕ ልቦም ከም ተመነዩ ኣፍሊጡ።
23 December 2024, 16:33