2024.12.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሽግር ተስፋን ይቕሬታን ሓድነትን ዝብል ራእይ 2024.12.20 ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሽግር ተስፋን ይቕሬታን ሓድነትን ዝብል ራእይ 

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ እዋን ሽግር ተስፋን ይቕሬታን ሓድነትን ዝብል ራእይ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ኣርጀንቲና “ኦርቤ 21” እተሰምየ መደብር ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ብዛዕባ ብድሆታት ዘመንናን ምውሳኽ ወጥሪ ኣብ ዓለምን ምስፋሕ ዘይምዕሩይነት ኣብ ዝብል ጉዳይ ሰፊሕ ኣስተንትኖ ይልግሱ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ልእኽቲ ጋዜጠያና ናይ መደበር ቴሌቪዥን ኣርጀንቲና “ካናል ኦርቤ 21” ማርያ በርናርዳ ሎረንተ ኣብ ቫቲካን ሓዋርያዊ መንበሮም ሰፊሕ ቃለ መሕትት ከም ዘካየዱን፡ “ግጭታት እናዕጠቕካ” ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ “ምስሉይነት እዩ” እንክብሉ ነዚ ተግባር እዚ ኮኒኖም፥ ዝርአ ዘሎ ምድኻም ተቕዋማት ዘሕድረሎም ዓቢ ስክፍታ፡ ብዛዕባ ገለ ካብ ገለ ተኣፋፊ ጉዳያት ዓለም ክሳብ ዘለዎም ራእይ ብዛዕባ ሲኖዳውነት ኣነባብራ ኣናኻዕበተት ትኸይድ ዘላ ቤተ ክርስቲያንን ክሳብ ዓመት ኢዮቤል ተስፋ ዝኸይድ ከምኡ እውን ውግእ፦ ህጹጽ ስጉምቲ ዝሓትት “ሰብኣዊ ስዕረት” ምዃኑ ዘብርህ ስፍሕ ዝበለ ጉዳያት ከም ዝዳህሰሱ ዜና ቫቲካን የመላኽት።

ውግእ፦ ህጹጽ ስጕምቲ ዚሓትት "ሰብኣዊ ስዕረት" እዩ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብተደጋጋሚ ንውግእ “ሰብኣዊ ስዕረት” እንክብሉ ዝገልጽዎ ኮይኑ፡  ካብ ንግዲ ኣጽዋር መኽሰብ እናረኸቡ ንሰላም ዝጣበቑ ምስሉያት ዓቢ ጓሂ ከም ዝፈጥረሎምን። ኣብ ብዙሕ መደረታትን ጻውዒታትን እውን ነቲ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ግጭታት - ብፍላይ ኣብ ዩክሬንን ቅድስቲ መሬትን ዝካየድ ዘሎ ዓመጽ - ነቒፎም፡ ሰላም ብሓቀይና ዘተን ዕርቅን ጥራይ እዩ ክረጋገጽ ዝኽእል ዝብል ጽኑዕ እምንቶኦም ደጊሞም የረጋግጹ።

"ካብ ኣህጉራውያን ትካላት ዝመጽእ ማእለያ ዘይብሉ ጻውዒት ሰላም ሰማዒ ዘይምርካቡ ብሓቂ ዘሰክፍ ከም ዝኾነን ብዛዕባ ሰላም እናተዛረብካ ንውግእ ምዕጣቕ ዝርአ ምስልዩነት ዘሕዝን እዩ . . . ከምኡ'ውን ነቲ ጽዩፍ ሳዕቤን ንግዲ ኣጽዋር ደጊሞም ብምጥቃስ፡ . . . ኣብ ኤውሮጳ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ ረብሓ ወፍሪ ካብ ትካላት ኣምረትቲ ኣጽዋር ዝመጽእ እዩ። ስለዚ፡ ሰላም ንምውዳብ ዋዕላታትን ኣኼባታትን ይረአ ግን ከኣ ንምቕታል ዝሕግዝ ኣጽዋር ምፍራይ ይቕጽል" እንክብሉ ነዚ ምስሉይነት እዚ ይኹንኑ።

ኣድማሳዊ ዝንባለ ርእሰ - ምጥፋእ

ብዛዕባ እቲ ዝርአ ዘሎ ኣድማሳዊ ዝንባለ ርእሰ - ምጥፋእ፥ ዘሕድረሎም ስክፍታ ገሊጾም፡ ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ድማ መጠንቀቕታ ብምቕራብ፡ ወዲ ሰብ በቲ ሕጂ ዘለዎ መስመር እንተቐጺሉ ተመሳሳሊ ተነቃፍን ሓደገይናን መጻኢ ንምህናጽ ኣብ ሓደጋ እዩ ዝርከብ ቢሎም፡ ነዚ ኩነታት እዚ ምስቲ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ግምቢ ባቢሎን ብምምስሳል ይብርሁ።

“ሎሚ ኣብ ቅድስቲ መሬት ዝካየድ ዘሎ ኩናት ብመሰረት ሕግታት ኲናት ዝካየድ ተራ ኩናት ኣይኮነን፣ ። ዘስካሕክሕ እዩ . . .  ነቲ ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ግጭት ድማ ነቒፎም፡ “ውዕላት ሰላም ብህጹጽ የድሊ፡ ሓደ ሰብ ብዛዕባ ሰላም ክዛረብ እንከሎ ገሊኡ ድማ ግጭታት ኣብ ምጉህሃር ይዋፈር . . . ዘመናዊ ግርጭታት ዝተሓላለኸ ምዃኑ ኣገንዚቦም፡ ውድቀት ውልቃዊ ስነ - ምግባርን ምግልጋል ንውልቃዊ ረብሓታትን ከም ጠንቂ ዘይውጽኢታዊ ኣህጉራዊ ኣገባባት ምዃኑ ድማ የብርሁ።

“ዘተ ወሳኒ እዩ። ዘተ እንተዘይሃልዩ ሰላም ኣይክህሉን እዩ። ንሓድሕድና ምጥቓዕ ኣቋሪጽና፡ ንሓድሕድና ምጥፋእ ኣቋሪጽና፡ ሓድሕዳዊ ሓላፍነት ክስምዓና ይግባእ፡ ሰላም ብዘተ እዩ ዝረጋገጽ” . . . ሕብረት ኤውሮጳ ንሰላም ኣብ ምዕያይድ ክንጽመድ እዩ ዝግባእ . . .  እንክብሉ ድማ ብኣጽዖት የተሓሳስቡ።

“[ሕብረት ኤውሮጳ] ኣብዚ ጉዳይ እዚ ማለት ንሰላም ኣብ ምዕያይ ዘለዎ ናጽነት ክስእን የብሉን። እዚ እዩ ውሽጣዊ ሓድነታ ዘስፈሐን ካብኡ ድማ ምስ ግዳም ዝዋሳእ ሓይሊ ዝማርኽን። እዞም ትካላት ቁሩብ ተዳኺሞም እኳ እንተኾኑ፡ ሕጂ’ውን ዘተ ናይ ምዕባይ ዓቕሚ ኣለዎም” እንክብሉ የመላኽቱ።

ውልትውናን ጽንፈይናነትን ምቅላስ

ኣብዛ ብርየተ ዓለም እናተበታተነት እትኸይድ ዘላ ዓለም፡ ኣብ ሓቅን ዘተን ዳግማይ ትኹረት ክግበር ከም ዘለዎ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ሓደጋታት ከም ዘየሎ ጌርካ ምሕሳብ ብሓቂ “ርእሰ ቅትለት እዩ” እንክብሉ ገሊጾም፥ መራሕቲ ሱር ግርጭታት ብቕንዕናን ብትሕትናን ክፈትሕዎ ከም ዘለዎም ኣተሓሳሲቦም . . . "ምኽሓድ ኩሉ ግዜ መርዛም እዩ . . . ሓደ ሰብ ንሓደ ክውንነት፡ ንሓደ ታሪኽ፡ ንሓደ ጭቡጥ ኩነታት ክኽሕድ እንከሎ፡ ኣብ ልዕሊ ኣጻብዕቲ እግሩ ጥይት እዩ ዝትኩስ . . . ካብ ግርጭት መውጽኢ መንገዲ ንምርካብ ክውንነት ጥራይ እዩ ዝሕግዝ። “ኣብዚ እዋን እዚ ዝርአ ዘሎ ምሕዝነት መብዛሕትኡ ግዜ ናብ ዘይምጽውዋርን ስደትን ዝድርኽ ምዃኑ ኣስተብሂሎም፡ ሃይማኖት ምስ ፖለቲካዊ መንግስቲ ምትሕንፋጽ ኣጽኒዖም ከም ዝቃወሙ ብምሕባር . . . የግዳስ ከም ኣብ ኢንዶነዥያ ዝረኣዮ ኣብነታታ ሓቢርካ ምንባርን ዘተን፣ ኣብኡ ድማ “ኩሉ ግዜ ኣብ መንጎ ዝተፈላለዩ ጉጅለታት ዝካየድ ቀጻሊ ዘተ፣ ምክብባርን ምትሕልላይን ዝፈጥር ምዃኑ ብቐረባ ዝረኣይዎ ክውንነት ገሊጾም . . . ኣብታ ሃገር ሃይማኖታዊ ስደት ክርስትያን ኣይረኣኹን ኣይሰማዕኩን ወይ ብኣንጻሩ ኣብ ልዕሊ ብ ካልኦት ሃይማኖታት እውን። ሓቢርካ ምንባር ዝረኣየላ እያ ቢሎም ኣብነት ሓባራዊ ናብራ እንክብሉ ድማ ይገልጽዋ።

ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን፡ ብዙሕነትን ድማረን እትሓቁፍ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተዛዘመ ዛዕባ ሲኖዳውነት ዝመኸረ ሲኖዶስ ኵላዊት ቤተ ክርስቲያን እንከስተንትኑ፥ ኣብ “ኪደት ቤተክርስቲያን ድሕሪ ሕጂ ካብ ላዕሊ ንታሕቲ ዘይኮነስ . . . “ካብ ላዕሊ ጳጳሳት፣ ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት፣ ካህናት፣ መነኮሳት ዘይኮነ፤ ካብ ታሕቲ ዝመጸት ቤተ ክርስቲያን እያ ንርእሳ እትገልጽን ማሕበረሰብ እትፈጥርን” እንክብሉ ኣብሪሆም . . . ሲኖዳዊት ቤተ ክርስቲያን ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሓ ኣብ ሞንጎ ህውከት ብስኒት እትስስን እያ እንክብሉ ገሊጾም። "እቲ መሰረታዊ ቃል ስኒት እዩ፡ “ኣብ ኣለዳ ጴንጠቆስጠ እንታይ ከም ዘጋጠመ ንሕሰብ: ኣብ ማእከል እቲ ህውከት መንፈስ ቅዱስ ስኒት ፈጢሩ።”

. . . ቤተ ክርስቲያን ንኹሉ ክፍትቲ ምዃና ደጊሞም ብምርግጋጽ፥ “ሓንሳብ ኣብ ውሽጢ ምስ ኣተና ብሓባር መመያ ንገብር” . . . ካባና ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱሳን ዝዀነ የልቦን። ኩላትና ሓጥኣን ኢና፡ ቤተ ክርስቲያን ድማ ጉድለታትና ንምኽሓስ ትሕግዘና። ኩላትና ኣብ ውሽጥና ነዚ ሓቂ እዚ ኣይንረስዕ:” እንክብሉ የተሓሳስቡ።

ይቕሬታን ምሕረትን ኣብ ሕመረት ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም.

ቤተ ክርስቲያን “ነጋድያን ተስፋ” ብዝብል ኣርእስቲ ንኢዮቤል 2025 ዓ.ም. ኣብ እትዳለወሉ ዘላ እዋን፡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ነቲ  ለውጢ ዘምጽእ ሓይሊ ምሕረትን ይቕረታን ኣስሚሮም፡ ኢዮቤል ንውልቃውን ሓባራውን ሕዳሴ ዕድል ምዃኑ ኣብሪሆም . . . ኣምላኽ ይቕረ ኣብ ምባል ፈጺሙ ኣይደክምን፤ ይቕሬታ ክንሓትት እንደክም ንሕና ኢና” እንክብሉ ብምዝኽኻር፥ ኢዮቤል ብዛዕባ “ሃይማኖታዊ መስህብነት” ዘይኮነስ ብዛዕባ ዓሚቝን ውልቃውን ጉዕዞ ናብ ፈውስን ሕዳሴን እዩ እንክብሉ ወሲኾም የብርሁ . . . “ኢዮቤል ብግቡእ ክተወስጦ ካብ ውሽጢ ክመጽእ ኣለዎ፡ ብገለ መንገዲ ድማ ብመጠኑ ውልቃዊ ታሪኽካ ክኸውን ኣለዎ። በዚ መንጽር ድማ፡ ናይ ይቕረታ፡ ናይ ሓጎስን፡ ብዙሕነትን ማሕበራውን ነገራት ናይ ዳግመ ህዳሴ እዋን እዩ. . . ።

ምስ መንእሰያት ምውፋር

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፥ መንእሰያት "መሃዛውያን ክኾኑ ኣለዎም" እንክብሉ ኣገዳስነት ምውሳእ መንሰያት ኣስሚሮም፡ ከም ምምጋብ ቤት ኣልቦ ዝኾኑ ኮታ ኣብ ናይ ፍቕሪ ስራሕ ዘማእከሉ ንጥፈታት ግብረ ሰናይ ኣብ መንጎ ወለንተይናታት መንእሰያት ምስታፍ ናይ እምነት ጉዕዞ ብኸመይ ከም ዘነቓቕሕ ብምዝኽካር ንመንእሰያት ብድሆ ከተቕርበሎም ኣሎካ፡ እዚ እዩ ከዕብዮም ዝኽእል። ብድሆ እንተ ዘይሂብካዮምን ክገጥምዎ እንተ ዘይሓጊዝካዮምን፡ ኣብ ዙርያ ዕሽነትን ምድንጋራትን ጥራይ ኮለል ዝብሉ እዮም ዝኾኑ

. . .  ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣስዒቦም፥ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ "ዘደንቕን ዘስደምምን መጋበርያ” እዩ እንክብሉ ገሊጾም፡ ግና ምስ ሰብኣዊ ክብርታት ክወሃሃድ ኣለዎ። "ምስ ሰብ ሰርሖ ኣስተውዕሎ ሰብኣዊ ዘተ ከነካይድ እዩ ዘሎና . . . እዚ ንዋናዊ ዓለም ዓቢ ብድሆ እዩ . . . እንክብሉ ይገልጹ።

ክርስትና ስነ - ሓሳብ ኣይኮነን

ሎሚ ንመንእሰያት ብዛዕባ ዘጋጥሞም ዘሎ ማሕበራውን ባህላውን ብድሆታት ርእይቶኦም ዝሃቡ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ፡ ስነ - ሓሳባዊ ግትርና ዝፈጥሩ ውድባት ናይ ፍቕርን ምትእስሳርን ርክብን ዓቕሚ ከጥፍኡ ከምዝኽእሉ ኣጠንቂቖም . . . ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ትምህርቲ ዝግበር ዘሎ ሰፊሕ ምጉዳል ምውፋር ሃብቲ ገንዘብ ኮኒኖም፥ "እዚ ንትምህርትን ህንጸትን ዝስላዕ ሃብቲ ገንዘብ ምጉዳል ንሃገራት ርእሰ - ቅትለትን ገበንን እዩ እንክብሉ ይገልጹ።

"ትምህርቲ መግቢ እዩ . . . ንኣእምሮ፡ ንመንፈስ. . .” እንክብሉ ነቶም ተበጻሕነት ትምህርቲ ዝድርቱ መንግስታትን ስርዓታትን ብምንቃፍ"፡ ተበጻሕነት ትምህርትን ሕንጸትን ዝድርቱ፥ "ደቂ ሃባትምን ርኹባትን ጥራይ ዝለዓለ ትምህርቲ ክረኽቡ ይገብር . . . ትምህርት መሰል ኩሉን ንኹሉን እዩ . . .

ቤት ትምህርቲ ከም ካልኣይ ገዛ እዩ . . .  “መናብርተ ጥበብ መሰረታውያን እያቶም። ሓንቲ ሃገር ንመናብርተ ጥበብ ሓድሽ ሓንጎል መጻኢ ንምፍጣር ዘኽእል ጸጋታት ከተቕርብ ኣለዋ።"

ራእይ ንቤተ ክርስቲያን ኣብ መጻኢ

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮስ ብዛዕባ ኣብ መጻኢ ንቤተ ክርስቲያን ዘለዎም ራእይ ምስ ተሓተቱ፥ "ቤተ-ክርስትያን በቲ ኣምላኽ ዘለዎ ገምርን በቲ ዝመርሓ መንፈስ ቅዱስን በቲ ቤተ - ክርስትያን ዝገበረቶ ውሳነታትን ድሮ ብግቡእ እተነድፈት ይመስለኒ . . . “ዓለማውያን ምመናን ዝያዳ ዝሳተፉላ” ቤተ ክርስቲያን ይሓስቡ። ቍምስና ምእመናን ምስ ሓደ ኻህን ዚራኸቡሉን ብሓባር መገዲ ዝደልዩን ማሕበረሰብ ኪኸውን ኣለዎ . . . ዘተ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ንጡፍ ኪደት እዚ ምዕባይ ክትቅጽል እያ” እንክብሉ ኣስሚሮም . . .

ኣብ መወዳእታ፡ ኣብዚ እዋን በዓለ ልደት ንህዝቢ ኣርጀንቲና እንታይ መልእኽቲ ተመሓላልፉ ዝብል ንዝቐረበሎም ሕቶ፥ “ካብ ስነ - ሓሳባት ገዛእ ርእስኹም ተኸላኸሉ፡ ንኽትታለሉ ኣይትፈቅዱ፡ ንመሰልኩም ተቓለሱ” ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ከም ዝዛዘሙ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

22 December 2024, 11:14