ር.ሊ.ጳ.፥ ኣብ ኲናት ዝተቐትሉ ህጻናት ዘሕደረሎም ሓዘን ገሊጾም፣ ተኹሲ ደው ክብል ይጽልዩ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ብዛዕባ ኩሉ ኲናትን ዓመጽን ዘስዓቦ መከራ ዝጻወሩ ዘለዉ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዓሚቝ ስክፍታኦም ገሊጾም፡ ኣብ መንጎ ድኽነትን ዓመጽን ጅሆ ዝኾነት ሞዛምቢክ ዘኪሮም፡ "ኣቓልቦኦምን ሓልዮቶምን" ኣረጋጊጾም፡ "ብእምነትን ሰናይ ድሌትን ዝድገፍ ዘተን ምድላይ ሓባራዊ ረብሓን ኣብ ልዕሊ ዘይምትእምማንን ዘይምስምማዕን ክዕወት" ጸልዮም፥ ኣብ ካልኦት ዞባታት ብዘሎ ግጭት ዝሳቐዩን ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ህጻናት ዘስዕቦ ሞትን ማህሰይትን” እናሓሰቡ፡ ነዚ ግጭት እዚ ደጊሞም ከም ዝኾነኑን፥
"እታ እተሳቐይ ዘላ ዩክረይን ኣብታ ኸተማ መጥቃዕቲ ገና ይቕጽል ኣሎ ሓድሓደ ግዜ ኸኣ ኣብያተ - ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ኣብያተ - ክርስትያንን ዘዕነው። እቲ ኣጽዋር ስቕ ይበል . . . ጥዑም ቃና በዓለ ልደት ይስማዕ! ኣብ እዋን በዓል ልደት ኵሉ ውግእ ኣብ ዩክረይን ቅድስቲ መሬትን ኣብ ብምሉኡ ማእከላይ ምብራቕ ከምኡውን ኣብ መላእ ዓለምን ደው ንኽብል ንጸሊ። ብጓሂ ብዛዕባ ቓዛ ብዛዕባ ብዙሕ ጭካነ እሓስብ፣ ቘልዑ ምቕታል ኣብያተ - ትምህርትን ኣባይቲ ሕክምናን ብቦምብ ምድብዳብ . . . ክትገልጾ ዘይከኣል ጭካና እዩ!"
ውላድ ውህበት ኣምላኽ እዩ
ቅዱስነቶም፣ ብሰንኪ ሕማም ሰዓል ኣብቲ ሰንበት ዕለት 22 ታሕሳስ ፍርቂ መዓልቲ ካብ መንበሪኦም ቅድስቲ ማርታ ሕንጻ ካብ ዝርከብ ቤተ ጸሎት ኮይኖም ኣብ ዝመርሕዎ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣቐዲሞም ምስ ህጻናትን ኣዴታቶምን ምስቶም ብቤተ ግብረ ሰናይ ቅድስቲ ማርታ ዝሕገዙ . . . ከም እተራኸቡ ገሊጾም፥ እቲ ናይ ግብረ ሰናይ ኣገልግሎት ኣብ ውሽጢ ቫቲካን ብኣሓት ደናግል ቅዱስ ቪንሰንት ዝመሓደር 102 ዓመት የቑጽር ምህላዉ ብምዝካር ነተን ደናግል ኣመስጊኖም ሳላ ፍቕራዊ ኣገልግሎታ እትፍለጥ እቶም ዝእለዩ ቆልዑ" "ዓባየይ" ቢሎም ዝጽውዕወን ብዕድመ ንዝደፈኣ እናቴ ኣንቶኒየታ ኮላኪ ብፍሉይ ከም ዘመስገኑ ዜና ቫቲካን ይሕብር።
ባርኾት ንምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ
ኣብ መወዳእታ ቅዱስነቶም ነቲ ብህጻናትን ስድራቤቶምን ነቲ ኣጋጣሚ ናብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ዘምጽእዎ ‘ኣብ በዓለ ልደት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ኣባይቲ ስድራ ዝቐውም ኣብ መግለጺ በዓለ ልደት ኣብ ዝኾነ መብልዕ ማል ዘንብርዎ ምስሊ ሕጻነ ኢየሱስ’ እንክባርኹ፥ "ቀሊል ግን ከኣ ኣገዳሲ ምልክት" እዩ እንክብሉ ድሕሪ ምግላጾም፡ ኩሉ ሰብ ንኣረጋውያንን ኣረጋውትን ኣባሓጎታትን ኣደሓጎታትን ክዝክርን "ኣብዘን መዓልታት ኣብ በይናውነት ዝተርፍ ሰብ ከይህሉ” ዘለዎም ተስፋ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።