ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕ.መ.ኣ. ርእሰ ብሔር ባይደን ብስልኪ ተራኺቦም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕ.መ.ኣ. ርእሰ ብሔር ባይደን ብስልኪ ተራኺቦም  (Vatican Media)

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕ.መ.ኣ. ርእሰ ብሔር ባይደን ብስልኪ ተራኺቦም

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምስ ናይ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ርእሰ ብሔር ጆ ባይደን ዕለት 19 ታሕሳስ ብስልኪ ከም እትገራኸቡን ኣብቲ ዘካየድዎ ርክብ በዓለ ልደት ኣብ ግምት ብምእታዊ ካብ ጻዕርታት ሰላም ጀሚሮም ብዛዕባ ዝተፈላለዩ እዋናዊ ጉዳያት ሓሳብ ንሓሳብ ከም እተለዋወጡን፡ ባይደን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ "ሰብኣዊ መሰላት ንምድንፋዕን ሃይማኖታዊ ናጽነት ክኽበርን ንዝገብርዎ ጻዕሪ” ከም ዘመስገኑን፡ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ምብጻሕ ንኸካይድ እውን ካብ ቅዱስነቶም ንዝቐረበሉ ዕድመ ከም እተቐበለን ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

እቲ ብስልኪ ዝተኻየደ ርክብ ርእሰ ብሔር ባይደን ስልጣኑ ኣብ ዝዛዘመሉ ዘሎ እዋን ዝተኻየደ ኮይኑ፡ ክልቲኦም መራሕቲ "ኣብ እዋን በዓላት ኣብ መላእ ዓለም ሰላም ንምስጓም ዝግበር ጻዕርታት" ከምእተመያየጡ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ የመልክት። ባይደን "ንርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዓለምለኻዊ ስቓይ ንምእላይ ከምኡ እውን ሰብኣዊ መሰላት ንምስጓምን ሃይማኖታዊ ናጽነታት ክኽበርን ንዝገብርዎ ጻዕሪ ከምዘመስገኑ" ዝሓበረ ካብ ቤት ጽሕፈት ርእሰ ብሔር ባይደን ዝወጸ መግለጺ ኣስዒቡ፥ ባይደን "ኣብ ወርሒ ጥሪ ናብ ሃገረ ቫቲካን ወግዓዊ ምብጻሕ ንኸካይዱ ካብ ቅዱስነቶም ዝቐረበሉ ዕድመ ብምሉእ ሓጎስ ከም እተቐበሎ” ኣመላኺቱ፡ እዚ ምብጻሕ እዚ ባይደን ዕለት 20 ጥሪ ካብ ዋይት ሃውስ ቅድሚ ምልቓቑ ከም ርእሰ ብሔር ዘካይዶ ናይ መወዳእታ ዑደት ከም ዝኸውንን ዕለት 20 ጥሪ ተካኢኡ ዶናልድ ትራምፕ ከም ሓድሽ ርእሰ ብሔር ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቃለ ማሕላ ክፍጽም እዩ።

ሓልዮት ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቶም ናይ ሞት ፍርዲ ዝተበየኖም

ብፍላይ ንልቢ ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣዚዮም ቀረባ ካብ ዝኾኑ ጉዳያት ሓደ ዕጫ ናይቶም እሱራት ናይ ሞት ፍርዲ ዝምልከት ከም ዝኾነ ዝፍለጥ ኮይኑ። ቅዱስነቶም ኣብ 2018 ዓ.ም. ናይ ሞት ፍርዲ እቲ ዝዓበየ ገበን እዩ ዝብል ትምህርቲ ኣብ ናይ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን መዝገበ ሃይማኖት ኣብ ሕጡብ ጽሑፍ 2267 ክኣትው ከም ዝገበሩ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ተስፋታት ኣብ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ

ቅዱስነቶም ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ መላእ ቤተ ክርስቲያን ዘቕረብዎ ናይ ጸሎት ሓሳብ፥ “ናይ ሞት ፍርዲ ፍትሒ ዘምጽእ ዘይኮነስ ሕነ ምፍዳይ ዘተባብዕ እዩ” ዝብል ሓሳብ ከም ዘስመሩሉ ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን፥ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2024 ዓ.ም፡ ነቲ ጉዳይ እንደገና ኣጉሊሖም፡ ንኢዮቤል ብምጽባይ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ - ከምቲ ኣብቲ ተስፋ ኣይተሕፍርን እያ ብዝብል እርእስቲ ዘቕረብዎ ኣዋጅ ዓመተ ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. ፡ ድኻታት ህገራትን ኣብ ጎደና ምዕባለ ዝርከባ ሃገራት ዘለወን ናይ ወጻኢ ዕዳ ክስረዝ ናይ ሞት መቕጻዕቲ ብደረጃ ዓለምን ክውገድ ዝብሉ ጭቡጥ ስጉምትታት ክውሰድ ተስፋ ዝገብር ናይ ተስፋን ምሕረትን ዓመት እንክብሉ ከም ዝገለጹ ዜና ቫቲካን ኣዘኻኺሩ ኣብዚ እዋን ልዕሊ 50 ሃገራት ናይ ሞት መቕጻዕቲ ኣብ ምትግባሩ ይቕጽላ ምህላወን ይሕብር።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነቲ ናይ ሞት ፍርዲ "ምስ ክርስትያናዊ እምነት ዝጋጮ" ተግባርን "ንኹሉ ተስፋ ይቕሬታን ምሕዋይን ዘወግድ" ተግባር እንክብሉ ዕለት 8 ታሕሳስ ኣብ በዓለ ንጹሕ ጽንሰታ ለማርያም ፍርቂ መዓልቲ ኣብ ቅርዓት ቅዱስ ጴጥሮስ ጸሎተ መልኣከ እግዚኣብሔር ኣዕሪጎም ምስ ኣብቅዑ ኣብ ዘስምዕዎ ቃል ከም ዝገለጹን፥ "ስለቶም ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብሞት ዝተፈርዱ እሱራት ክጽለይ ጻውዒት ኣቕሪቦም . . . ፍርዶም ናብ ዓመታት ማእሰርቲ ክቕየር፡ ንጸሊ። ብዛዕባ እዞም ኣሕዋትናን ኣሓትናን እናሓሰብና ካብ ፍርዲ ሞት ክድሕኑ ካብ ጎይታ ጸጋ ንለምን” ከም ዝበሉ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ጻውዒት ካቶሊካውያን ጳጳሳት ኣመሪካ

ነዚ ቃል ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ስዒቡ ጉባኤ ካቶሊካውያን ጳጳሳት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ንኹሎም ኣብ ኣመሪካ ዝርከቡ ካቶሊካውያን ንሓድሽ ተመራጺ ርእሰ ብሔር ስልጣ ዘረክብ ርእሰ ብሔር ባይደን ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፌደራላዊ ኣባይቲ ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም ኣርብዓ ውልቀሰባት ዝተበየኖም ናይ ሞት ፍርዲ ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕይረሎም ክሓቱ ጻውዒት ከም ዘቕረቡ ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

ካቶሊካዊ ትካል መርበባዊ ምንቅስቓስ

ኣብ ኣመሪካ ናይ ሞት ፍርዲ ክውገድ ዝጣበቕ ሃገራዊ ካቶሊካዊ ትካል መርበባዊ ምንቅስቓስ ጸረ ፍርዲ ሞት፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ፌደራላዊ ኣብያተ ማእሰርቲ ተኣሲሮም ዘለዉ 40 ሰባት ዝተመሓላለፎም ፍርዲ ሞት ናብ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ክቕየረሎም ወፍሪ የካይዱ ከም ዘሎን ብመሰረት ሓላፊት ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ምንቅስቓስ ክሪሳን ቫይላንኮርት መርፊ፡ ርእሰ ብሔር ባይደን - እቲ ድሮ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ዓ.ም. ብፈደራላዊ ደረጃ ኣኣንቢርዎ ዝነበረ ግዝያዊ ምቁራጽ ፍርዲ ሞት ዝእዝዝ (ትራምፕ ስልጣን ምስ ሓዝኩ ክኣልዮ እየ እንክብ ቃል ዝኣተወሉ) - ባይደን ነቶም ፍርዲ ሞት ዝተበየኖም ምሕረት ናይ ምግባር ስልጣን ስለ ዘለዎ ነዚ ውሳኔ እዚ ንኸመሓላልፍ ናይ መወዳእታ ዕድል እዩ” ከም ዝበለት ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

20 December 2024, 16:27