ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ቫለንሲያ ነቶም ብህቦብላ ዳና ዝተሃስዩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ኣብጺሖም ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ቫለንሲያ ነቶም ብህቦብላ ዳና ዝተሃስዩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ኣብጺሖም 

ካርዲናል ችዘርንይ ኣብ ቫለንሲያ ነቶም ብህቦብላ ዳና ዝተሃስዩ ናይ ር.ሊ.ጳ. ቅርበት ኣብጺሖም

ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ፡ ቅርበትን ደገፍን ር.ሊ.ጳ.ፍራንቸስኮ ንምርግጋጽ ኣብ ቫለንሽያን ብህቦብላ ዳና ኣብ ዝዓነወ ከባቢታትን ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ከም ዘካየዱ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

ናይ ውሁድ ሰብኣዊ ምዕባለ ኣገልግሎት ዝሓልይ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዋይ ቤት ጽሕፈት ህየንተ ካርዲናል ሚካኤል ችዘርኒ ኣብ ስጳይና ዞባ ቨለንዚያ ብህቦብላ ዳና ንዝተጎድአ ህዝቢ ቅርበትን ደገፍን ኵላዊት ቤተ ክርስቲያንን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮን ንኸረጋግጹ ኣብ ቫለንዚያ ብስም ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ምብጻሕ ከም ዘካየዱን፥ በቲ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ ብዘጋጠመ ብርቱዕ ዝናም ብዘስዓቦ ምዕልቕላቕ ማይን ውሕጅን ልዕሊ 200 ሰባት ከም ዝሞቱን ማእለያ ዘይብሎም ሰባት ደሃዮም ከም ዘይተረኽበን ከምኡ’ውን... ኣባይቲ፡ ትካላት ንግዲ፡ ድልድላትን ስርዓታት መጓዓዝያ ከም ዘዕነወን ዘዘኻኸረ ዜና ቫቲካን ኣስዒቡ፥ ንኽብሪ ኩሎም እቶም በቲ ህቦብላ ዝተሃስዩ ኣብ ቅድሚ ምስሊ ቅድስቲ ማርያም ረዳኢተ ሕዙናት ቅድስቲ ሓላዊት ቫለንዚያ ቁኑን ዕምባባ ኣንቢሮም ናይ ግሊ ጸሎት ከም ዘዕረጉ ኣፍሊጡ።

ክፍቱ ማዕጾ ቤተ ክርስቲያን

ካርዲናል ችዘርኒ ምስ ቫቲካን መራኸቢ ብዙሓን ኣብ ዝገበርዎ ቃለ መሕትት፡ ካብቲ ናይ ክልተ መዓልቲ ምብጻሕ ዝረኸብዎ ጦብላሕታን ስምዒታትን ትዕዝብትን ከም ዘካፈሉን፥ "እቲ ኣካላዊ ዕንወት ልዕሊ ዓቕሙ ምዃኑን እቲ ውሕጅ ኣብያተ ክርስትያናት፡ ኣብያተ ትምህርትን ኣባይትን ማእለያ ዘይብሉ ትካላት ንግድን ከም ዘዕነወን እቲ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ፍርስራስ ርኢኻ ብሓቂ ዘሰንብድ ሓደጋ ከም ዘጋጠመ ተስተውዕል ከም ዝበሉን ኣብዚ ዘካየድዎ ምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ፣ ካህናት፣ ስድራቤት ግዳያት፣ ወለንተይናታትን ንነፍሲ ​​ወከፍ ዝተጎድአ ሰበኻ ምስ ዝበጽሑ ምስ ናይ ቫለንዚያ ሜጥሮጶሊታ ሊቀ ጳጳሳት ኤንሪከ ቤናቨንት ቪዳልን ሓዊሱ ምስ ደቂ እቲ ከባቢ ከም እተራኸቡን ብዙሓት ነበርቲ ነታ "መጀመርታ ማዕጾኣ ከፊታ ‘ናይ ሜዳ ሆስፒታል' ዝኾነት" ቤተክርስትያን ዓሚቕ ምስጋናኦም ከም ዘቕረቡ እውን በዚ ኣጋጣሚ እዚ ይሕብሩ።

ወለንታዊ መልሲ

ህዝቢ ህይወቱ ንምድሓን ዝፈጸሞ ዝትንክፍ ተመክሮታት ኣብ መንጎ እቲ መዓት መለኮታዊ ሓለዋ ዝሕብር ከም ዝኾነን . . . ማዕረ ማዕሪኡ ድማ በቲ እቲ ወለንተይናታት ዘቕረብዎ ሓገዝ ዘገርም እዩ፡ ህይወቶም ክሳብ ንሓደጋ ብምቅላዕ ኣብ ጸገም ንዝተረኽቡ ንምድሓን ዝገብርዎ ዝነበረ ጻዕሪ ሕጂ እውን ዘቕርብዎ ዘለዉ ኣገልግሎት ሰብኣውነት ዘጒልሕ እዩ ብፍላይ ድማ ዶባትን ባህልታትን ሃይማኖትን ዝሰግር ኵላዊ ጻውዒት ንኣገልግሎት ዝምስክር ምዃኑ ኣብሪሆም፥ ከምቲ ቅዱስ ኣቦና ብዛዕባ እቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምስ ተሓበሮም ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ከም ዝበልዎ፥ ንቫለንዚያ ንዋታዊ ሓገዝ ጥራይ ዘይኮነስ ነቶም በቲ ሓደጋ ዝተሃስዩ መንፈሳዊ ደገፍ እውን ይቐርብ ኣሎ ኢሎም።

ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ማእከላት ረድኤትን ተስፋን

ኣብ ቫለንሽያ ዝርከባ ኣብያተ ክርስትያናት ናብ ግዝያዊ ማእከላት መዐደል ዕለታዊ እንጌራ ተቐይረን ኣብ ሞንጎ ዘይተኣደነ ስቓይ ከም ቦታታት ርህራሄ፡ እምነትን ተስፋን ንህዝቢ ቀረባ ብምዃን ነቲ ክርስቶስ ንረድኤትና ናባና ዝመጾ ኩለን ኣቢያተ ክርስቲያን ነዚ ቅርበት ኢየሱስ ይምስክራ ከም ዘለዋን ነቶም ዝሳቐዩ ምድጋፍ ምስ ክርስቶስ ምርኻብ እውን ምዃኑን ካህናትን መነኮሳትን ወለንተይናታትን ከይተሓለሉ ንዝተጎድኡን ንዝሰንበዱን መንፈሳዊ ድጋፍ ከቕርቡን መግቢ ክዕድሉን ምጽንናዕ ከቕርቡን ምርኣይ ሓያልን ኣነቓቓሕን ምስክርነት እዩ እንክብሉ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት የረጋግጹ።

ካህናትን ልኡካንን ኣብ ኣገልግሎት

ኣብ ቫለንሲያ ንዝነብሩ መንእሰያት ካህናት “ናይ ሓቂ ልኡካን ወንጌል” ኣንክብሉ ገሊጾም፥ ስጋዊ ደገፍ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ነቶም ክሕግዙ ዝመጹ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ወለንተይናታት ብመንፈሳዊ መዳይ እውን ከም ዘሰነዩን  ምስ ኣባላት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ሰብ ውፉይ ህይወት ብምትሕብባር፥ "ብዘይእመን ተወፋይነት ምጽንናዕ፡ ምትብባዕ ብምቕራብ" ቤተ ክርስቲያን ናብቶም ዝሳቐዩን ዝተሓረጉን ቀረባ ምዃኑ ይምስክሩ።

ቅዳሴ ነቶም ግዳያት

ካርዲናል ችዘርንይ ምስ ሊቀ ጳጳሳት ቤናቨንት ተራዳኢ ርእሰ ሰበኻታት ቫለንዚያ ኣቡነ ኸሱስ ኮርቢ ቪዳጋንን ካብተን ዝተጎድኣ ሰበኻታት ዝመጹ ብዝሓት ካህናትን ተዓጂቦም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ጊዮርጊስ ሰማእት ንዝኽሪ እቶም በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ዝሞትን ዝተሃሰዩን ኣባይቲ ስድራ መስዋዕተ ቅዳሴ ከም ዘዕረጉን፡

መንገዲ ሕውየት

ኣብ ቫለንሽያ ናብ ዳግመ ህንጸት ዝወስድ መንገዲ ነዊሕን ርግጸይናን ኣይኮነን። "ንብዙሓት፡ ምሕዋይ ዳርጋ ዘይከኣል እዩ ዝመስል፡ ብስድራቤት ዝመሓደራ ድኳናትን ንኣሽቱ ትካላት ንግዲን ዳግማይ ክኽፈታ የጠራጥር ስለዝ እቲ ዘጋጠመ ህቦብላ ኣብ ልዕሊ እቶም ዝደሓኑ ዜጋታት ዝፈጥሮ ኵለ መዳያዊ ቅልውላው ንምብዳህ ነዊሕ ዓመታት ከድሊ እዩ። እንተኾነ ግን ተስፋ ዘይምቕራጽ እንክብሉ ዘካየድዎ ቃለ መሕትት ዛዚሞም።

27 November 2024, 14:42