ኬትልካምፕ ኣብ ጸብጻብ ግህሰት፡ ግዳያት ፍትሒ ይደልዩ ኬትልካምፕ ኣብ ጸብጻብ ግህሰት፡ ግዳያት ፍትሒ ይደልዩ 

ኬትልካምፕ ኣብ ጸብጻብ ግህሰት፡ ግዳያት ፍትሒ ይደልዩ

ዶክተር ተረዛ ኬተልካምፕ ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ፡ ብዛዕባ እቲ ሽማግለ ዘቕረቦ “ዓመታዊ ጸብጻብ ዛዕባ መምርሕታትን ኣገባባትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብ ቤተ ክርስቲያን” ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ሓፈሻዊ ትሕዝቶ ይህባ።

ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን

“ግዳያት ክስምዑ ይድለዩን ፍትሒ ይሓትቱን” እንክብላ ዶክተር ተረዛ ኬተልካምፕ ገለ ካብቲ ብጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ዘሕተሞ “ዓመታዊ ጸብጻብ ምምርሕታትን ኣገባባትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት” ዘንበሮ ጽሑፍ ዘኪረን፥ ናይቲ ሽማግለ ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ዶክተር ኬተልካምፕ ምስ ዜና ቫቲካን ኣብ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት፡ እቲ ጸብጻብ “መጋበርያ . . . ቅጽበታዊ ስእሊ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምክልኻልን ምብጻሕን ንዝደሓኑ ሰባት ኣብ ዝምልከት ደረጃ እንታይ ይመስልን ኣበይ በጺሑን ዝገልጽ እዩ።” ሓደ ካብቲ ዘሕጉሰኒ ድማ “ቤተ ክርስቲያን ከም ኵላዊት መከላኸሊ ኣገባባት ንምምዕባል ዘሎ ድሌት” እዩ ቢለን፥ ነቶም ዝተረፉ ብድሆታት ብምእማን፡ ቤተክርስትያን ድሮ “ናይ ምሕላውን ኣቐዲምካ ናይ ምክልኻልን ኣተሓሳስባ” ኣለዋ፡ እንተኾነ ግን “ናይ ምሕላው ባህሊ” ከተማዕብል ከምዘለዋ ኣተሓሒዘን የዘካኽራ።

ሓደ ክፋል ናይቲ ብድሆ፡ ካብ ግህሰት ንዝደሓኑ ሰባት ፍትሒ ምቕራብ እዩ። "ግዳያት ክስምዑ ይደልዩ፡ ግዳያት ፍትሒ ድማ ይደልዩ" ቢለን፥ ብተመሳሳሊ ድሩትነት ናይዚ ናይ መጀመርታ ጸብጻብ ኣስተብሂለን “ንሰባት ተስፋ ክንህቦም ንደሊ፣ እዚ ጸብጻብ እዚ ናይ መጀመርታ መራሒ ምዃኑ እፈልጥ እየ። ቅጽበታዊ ስእሊ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ክፍተታት ኣሎ፡ እንተኾነ ግን፡ “ቤተ ክርስቲያን ብዛዕባ ምሕላው ትሕቲ ዕድመን ተኣፋፍያንን ነቅ ዘይብል መርገጺ ኣለዋ። ዋላ’ውን ገለ ገለ ከባቢታት ዓቕሚ ቍጥባ እንተዘየለ፡ ብተመኩሮይ ሓደ መራሒ ቤተክርስትያን ነዚ መትከል እዚ ዝነጽግ ኣይረኸብኩን . . . “ሕጂ፡ እቲ ጸጋታት ኣሎ ድዩ?” እንክብላ ድማ ሕቶ ኣቕሪበን፥ “እቲ ክእለት ኣብኡ ድዩ ተቐሚጡ? እቲ መሰረት ፍልጠት ኣሎ ድዩ? ኩሉ ከም ዘሎ ኮይኑ፡ እዚ ጉዳይ እዚ ንምትሕብባርን ምትሕግጋዝን ዝዕድም ምዃኑ እውን የስተብህላ።

ብሓደ ቃል እዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እንታይ ዕላማ ኣለዎ?

እቲ ዕላማ . . . ዝተፈላለየ ደረጃ ዘለዎ እዩ። እቲ ቀንዲ ዕላማ፡ ኣብ ምክልኻል መጋበርያ እዩ። ቤተ ክርስቲያን ኣብ ምሕላውን ምብጻሕን ንዝደሓኑ ሰባት ብዝምልከት እንታይ ምዃና ዝገልጽ ቅጽበታዊ ስእሊ ዘቕርብ እውን እዩ።

ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ከም  ቤተ ክርስቲያን ኣብ’ቲ ንህጻናት ድሕነት ኣብ ምሕላውን ካብ ሞት ንዝደሓኑ ንምብጻሕን ከመይ ከምዘለና ሓሳብ ክንህቦ ኣብ 2022 ዓ.ም. ሓቲቶምና ከም ዝነበሩን ስለዚ እዚ ዓመታዊ ጸብጻብ እዚ ኸኣ ንቕዱስ ኣቦን ንቤተ-ክርስትያንን ብሓፈሻ ኸም መሳርሒ ዀይኑ ካቶሊካዊት ቤተ - ክርስትያን ብኸመይ ትስጕም ከም ዘላ ንምምርማር ንደቃን ተኣፋፍያንን [ህዝባ] ድሕንነት ንምሕላው ከም መሳርሒ ዀይኑ ከገልግል ተስፋ ንገብር፡ ዜዕቍብ መምርሒታት ኣሎዶ? ነዚ ኣብ ግብሪ ምውዓል እንታይ ብድሆታት ኣሎ? ነቶም ዝደሓኑ ንሕግዞምዶ ኣለናዶ? ድሕንነትን እንግዶትን ዘለዋ ቤተ - ክርስትያን ኣላትናዶ? ስለዚ ነዚ ቀዳማይ መራሒ ዝኾነ ጸብጻብ ብእተፈላለየ መገድታት ክረአ ኣለዎ። ቅድም ቀዳድም ነቲ ሓበሬታ ብኸመይ ከም እንእክቦ ኣጽኒዕና። ናይ ዝተፈላለያ ሃገራት ጉባኤ ጳጳሳት ምስ ቅዱስ ኣቦና ንኽራኸቡ ኣብ ቅድስቲ መንበርን ሃገረ ቫቲካንን ምብጻሕ ኣብ ዝገብርሉ እዋን ካብኣቶም ሓበሬታ ክንእክብ ከም እንኽል ኣስተውዒልናን ኣብ ርእሲ እዚ እውን ካብቲ ናይ ጳጳሳት ጉዳይ ዝከታተል ናይ ቅድስቲ መንበር ላዐልዋይ ቤት ጽሕፈት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ እዚ ሓበሬታ ንምእካብ ዝሕግዙ ሕቶታት ከነቕርብ ደሪኹና እዩ። ስለዚ እዚ ሓደ ክፋል ሓበሬታ’ዩ።

እቲ ኻልኣይ ከኣ ኣብዚ እዋን እዚ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ እስያ ኣፍሪቃ ኣመሪካ ከምኡውን ኣውሮጳ ብዘለዎ ጨንፈራት ስርሑ የሳልጥ ኣሎ። ስለዚ ክኢላታት ዞባ ኣለዉና፣ ኵነታት ዞባኦም ኪግምግሙ ድማ ሓተትናዮም ኢና።

እቲ ሳልሳይ መዳይ ከኣ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ምስኣታቶም ሓቢርና ንምዕያይን ብዛዕባ እቲ ንቤተ - ክርስትያን ድሕንነት ንምሕላው ዘሎና ሓባራዊ ሸቶ ካብኣታቶም እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል ንምርኣይን ክልተ ናይ ቅድስቲ መንበር ላዕለዎት ኣባይቲ ጽሕፈት ማለት ናይ ካህናት ጉዳይ ዝከታተልን ከምኡ እውን ዓንቀጸ እምነት ዝሓልይን መሪጽና፥ ግሉጽን ጽፉፍን ዝኾነ ዕቝባ ምግባርን ከም ቤተ - ክርስትያን ኣገዳሲ እዩ ስለዚ ኣብዚ መዳይ ነተኩር ከም ዘሎና ዘረጋግጽ ሰነድ እዩ . . .

እቲ ናይ መወዳእታ ክፋል ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጻኢ ንቤተ ክርስቲያን ዝጥምት ኮይኑ፡ እዚ ድማ ግብረ ሰናይ - ፍቕሪ ዝምልከት እዩ። ኣብ ቤተ ክርስቲያን፡ ኣብ ሃዋህው ቤተ ክርስቲያን፡ ንድኻታት፡ ንዝተጸገሙ ወዘተ ንምሕጋዝ ዝሰርሑ ዘለዉ ካልኦት ኣካላት እንታይ እዮም ከምኡ’ውን ንህይወት ዝደሓኑ ንምቕባል ዝግበር መከላኸሊታቶምን ክፉትነቶምን ኣበይ ኣሎ? ስለዚ ቅጥዒ ንሱ’ዩ። ብዙሕ ተማሂርና ኣለና። . . .  ከም ቤተ ክርስቲያን ኣብ መዳይ ምክልኻል ድልዱል ስነ ኣሃዝ ኣሃዛዊ ጸብጻብ መሰረት የብልናን ኣብዚ ጉዳይ እዚ ድማ ንሰርሕ ኣሎና፡ . . . ክንደይ ዝደሓኑ ሰባት ንቕድሚት መጺኦም። ኣብተን ክልተ መዳያት ዘሎ ብድሆታት ክትግምቶ ትኽእል ኢኻ። ከምኡ’ውን እቲ ጸብጻብ ከም መሳርሒ ከገልግል ተስፋ ንገብር፣ ነዚ ከም መሰረታዊ ሰነድ ክንጥቀመሉን ኣብ ኣገባብትና ከነመሓይሾን፣ ድሕሪኡ ካብኡ ዝሓሸ፣ ንዝመጽእ ዓመት፣ ንቤተክርስትያን ዝያዳ ንጹር ኣረኣእያ ክንህብ ከም እንኽእል ርግጸይና እየ።

ንቤተ ክርስቲያን ከም ኵላዊት ናይ ምክልኻል ኣገባባት ንምምዕባል ዘሎ ድሌትን ዝተበገሰ ጉዕዞን ዝሕብር ሰነድ እውን እዩ። ባህላዊ ድዩ ቁጠባዊ ዓቕምን ዝምልከት ብድሆታት ኣሎ። ስለዚ፡ ናይ ምክልኻል ኣተሓሳስባ ኣለና። ናይ ምሕላው ባህሊ ኣለና ድዩ? ነዚ ብድሆታት እዚ መልሲ ምሃብ የድሊ፡ ምኽንያቱ መምርሕታትን ኣገባባትን የድልየና። ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት መጺኦም ፈውሲ ዝረኽብሉ ዓይነት ማእከላት ክሳብ ምህላው እውን ክፍተት ኣለና። . . . ግዳያት ድማ ፍትሒ ይደልዩ። ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን፣ ብመንገዲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት፣ ንቅዱስ ኣቦና ምኽሪ ምሃብን ኣብ ከባቢና ምዕያይን እዩ። እታ ከባብያዊት ቤተ ክርስቲያን ኣብ ከባቢኣ ክትሰርሕ ዘኽእላ መንገድታት ተበጊሶም እዮም፡ ከምኡ’ውን ኣብዚ መዳይ ዘገልግሉ ሕንጸት ክረኽቡን ኣገልግሎቶም ብብቕዓት ንምስላጥ ድማ ጸጋታት ኣብ ምቕራብ እውን ክንሕግዞም ኢና። ከምኡ’ውን ብደረጃ ከባቢ ዘላቒ ዓቕሚ ንምቛም ኣብ ምሕጋዝ ናይ ምክልኻልን ምቕባልን ማእከላት ኣተገባብራ ውሑስ ክኸውን ንምግባር።

ብዛዕባ ዕዮኽን ንቤተ ክርስቲያን፡ ንግዳያት፡ ከምኡ’ውን ንዓለማውያን ምእመናን ብሓፈሻ ክትብልኦ እትደልይኦ ነገር እንተሎ . . .

እወ ንሰባት ተስፋ ክህቦም እየ ዝደሊ። እዚ ዝወጸ ናይ ጸብጻብ ሰነድ መበገስን መራሕን እዩ። ቅጽበታዊ ስእሊ እዩ። ኣብ ገለ ከባቢታት ክፍተታት ኣሎ፡ . . . ቤተ ክርስቲያን ግን ኣብ ምሕላው ዕትብቲ እያ። ዋላ’ውን ጸጋታት ዘይብሎም ከባቢታት እንተሃለዉ፡ ብተመኩሮይ ከም ዝተዓዘብክዎ ሓደ መራሒ ቤተክርስትያን ንመከላኸሊ ዝንጸግ ኣይረኸብኩን። . . . ሕጂ እቲ ጸጋታት፡ ክእለት ኣሎ ድዩ? እቲ መሰረት ፍልጠት ኣሎ ድዩ? እቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ምክልኻል ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ኣብዚ መዳይ እዚ ክተሓባበርን ሓገዝ ከቕርብን እዩ።

ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ኣብ ምብጻሕ ድማ ክፍተታት ኣሎ። ኩሉ ሰብ ተቐባልነት ክረክብ ዝያዳ ክንዓዪ ኣሎና። ከምኡ’ውን እንተተበዲሎም፡ ንቕድሚት ክመጹ ከምዝኽእሉን ተወሳኺ ጉድኣት ከምዘይበጽሖምን ምርግጋጽን ውሑስነት ክስምዖን ዘኽእሎም ክውንነታት ምቕራብን የድሊ እንክብላ ዘካየደኦ ቃለ መሕትት ይዛዝማ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ኣገባባትን መምርሕታትን ምክልኻል ትሕቲ ዕድመን ተቓላዕቲ ዓበይትን ክኢላ ዶክተር ተረዛ ሞሪስ ኬተልካምፕ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም. ኣብ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ክሰርሓ ናብ ሮማ ዝመጻን ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ኣብ 2018 ዓ.ም. ኣባል ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት ጌሮም ከም ዝሰመይወንን ኣብ 2022 ዓ.ም. ኣብቲ ዕዩ ክቅጽላ ድማ ከም ዝገበሩን ኣብ 2024 ዓ.ም. ተሓጋጋዚት ጸሓፊ ናይቲ ጳጳሳዊ ሽማግለ ሓለዋ ትሕቲ ዕድመ ሕጻናት እክብሉ ከም ዝሰመይወን ዜና ቫቲካን የዘኻኽር።

02 November 2024, 17:13