'ጸወታ ኲናትን ንግዲ ሞትን’
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
"ብዛዕባ ሰላም ምዝራብን ኣብ ኲናት ምውፋርን ምስሉይነት እዩ። ብዛዕባ ሰላም ብዙሕ ዝዝረበለን ሃገራት፡ ንምህርቲ ኣጽዋር ክግመት ዘይከኣል ሃብቲ ገንዘብ ከዋፍራ እዩ ዝረኣ፡ እዚ ብሓቂ ናብ ውድቀት - ውድቀት ሕውነት ውድቀት ሰላም ዝመርሕ እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ነዚ ቃል እዚ ዕለት 25 ሕዳር ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ቺለን ዝተፈጸመ ምስሕሓብ መትረብ ቢግል ከብቅዕ ዝገበረ መበል 40 ዓመት ዝኽሪ ውዕል ሰላም ኣብ ዝዝክሩሉ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ዝበልዎ እዩ።
ናይ ቅዱስነቶም ቃላት እዚ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዓለምለኻዊ ትካል ምርምር ሰላም ስቶኮሆልም ዝሃቦ መረዳእታ ተወሳኺ ዘሕዝን መረጋገጺ ይረክብ። ዕብየት ኢንዱስትሪ ኣጽዋር ይቕጽል ኣሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣታውታት ናይዘን ኢንዳትሪታት ኣጽዋር ብ4.2% ወሲኹ ናብ 632 ቢልዮን ዶላር (ካብ 2015 ጀሚሩ +19%) ክብ ከም ዝበለን ካብ 2015 ዓ.ም. ጀሚሩ ብ19 ሚእታዊ ወሰኽ ከም ዘርኣየ ይሕብር።
እቲ ዘሕዝን ግን ምስዚ ምውሳኽ ዝተኣሳሰሩ ዘጋጥም ዕንወትን ሞትን ብዝሒ ሞትን ማህሰይትን ወተሃደራትን ሰላማውያን ሰባትን: ዕንወት ከተማታት: ምዝባልን: ካብ ወለዶታት መንእሰያት ዝስረቕ ናይ መጻኢ ዕድል: ከምኡውን ዕንወት ከባብን ኣዚዩ ክብ ኣናበለ እውን ይኸይድ።
ጳጳስ ሮማ "ብውግእ ምጽዋት" ዝብል ዘደንቕ መወከሲ ይጥቀሙ። ውግእ ከም ሓደ ዓይነት “ጸወታ” ፖለቲካዊ ይኹን ወተሃደራዊ፡ ብኣእምሮኣዊ መዳይ ክቐርብ ከሎ፡ ሱር ግርጭታት ንምፍታሕ ዝህሉ ድልውነት ከም ዝጠፍአ ምልክት እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ኣተሓሳስባ፡ ጠንቂ ውግእ ንምርዳእን ኣብ ዛዕባ ፍታሕ ንምስራሕን ድልውነት ዘይምህላው ዘንጸባርቕ እዩ። ዋጋ ሰላም፣ ኣገዳስነት ዘተ፣ ግደ ዘተ ዘይምርድዳእን ከምዝተረሰዐ እውን ዘርኢ ምልክት እዩ። ብተወሳኺ፡ ግጥም መብዛሕትኡ ግዜ ውደራ ሰዓርን ተሳዓርን ይህልዎ፡ እዚ ድማ ኣብ ስፖርትዊ ግጥም ፍጹም ቅቡል እዩ። "ጸዋታ ኲናት" መንግስታት ዘሳትፍ ክኸውን ከሎ ግን፡ ምስ ኣምር ሕውነት ደቂ ሰባትን ኣህጉራዊ ሕግን ዝጋጮ እዩ።
ር.ሊ.ጳ. ፍራንቸስኮ ናይቶም ካብ ውግእ ክረብሑ ዝደልዩ፡ ነቲ ዘስዕቦ ኣዕናዊ ሳዕቤን ዘይግደሱ ምስሉይነቶም ብምቅላዕ፡ ንሕልና ፖለቲካዊ መራሕትን ካልእ ኩሉን ህጹጽ ጻውዒት ኣቕሪቦም፥ ንኻልኦት ብምጕዳእ ንሰላም ብምጕዳእ ከምኡውን ነቶም ድኻታትን ተቓላዕትን ኮነ ንዅሎም ደቅሰባት መስዋእቲ ዝገብር ንግድ ኣጽዋር ከቋርጹ እውን ጻውዒት የቕርቡ። እዚ ኸኣ ምልእቲ ቤተ - ክርስትያን ብፍላይ ኣብዚ ወቕቲ ዘመነ ምጽኣት ጽዑቕ ጸሎት ዚሓትት ዓሚቝ መንፈሳዊ ምሕጽንታ እውን እዩ። ኣህጉራዊ ፖለቲካዊ ንመጻእን ንዝመጽእ ወለዶታትን ኣብ ግምት ዘእተወ ንቕድሚት ዝጥምት ራእይ ሒዙ፡ ህይወት ብዕቱብ ክስጉም ዘኽእል ሓሳባትን ቃላትን ልዕሊ ኩሉ ተግባራትን ከነቓቕሕ "ንመስፍን ሰላም" ይምሕጸኑ።
ዓለምና ብህጹጽ “ዘድልያ ክቡር ሕድገታት” ከምቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ መንጎ ኣርጀንቲናን ቺለን ብሽምግልና ቫቲካን ዝተኸተመ- ኣብ ልዕሊ "ጸወታታት ኲናት" ሓያላት ክዕወት ኣለዎ።
"ማሕበረሰብ ዓለም ብሓይሊ ዘተን ሕግን ክስዕር ኣምላኽ ይደግፎ፡ ምኽንያቱ ዘተ 'ነፍሲ ማሕበረሰብ ዓለም ክኸውን ኣለዎ'" እንክብሉ ቶርኒየሊ ዝደረስዎ ርእሰ ዓንቀጽ ይዛዝሙ።
(Andrea Tornielli)