ኣባ ፓዞሊኒ፡ ዕብየት እግዚኣብሔር ኣብ ንኡሳን እዩ ዝርከብ
ስምዖን ተ. ኣርኣያ - ሃገረ ቫቲካን
ሰባኬ ቤተ ጳጳስ፥ ልደት ወዲ ኣምላኽ፡ ካብ መጀመርታ ቃል ዝነበረ ግን ከኣ ንእሽቶን ተነቃፍን ክኸውን ዝመረጸ፡ ከም ዕሸል ገና ክዛረብ ዘይክእል፡ ንሓይልን ዕብየትን ንኡስነት ዝሓቖፈ እዩ፥ ዝብል ሓሳብ ብኣጽዖት ዘስመሩሉ ዕለት 20 ታሓሳስ ኣብ ሃገረ ቫቲካን ጳውሎስ ሻድሻይ ናይ ጉባኤ ኣዳራሽ ንተኸታሊ ቅዱስ ጴጥሮስን ንኵርያ ሮማና ላዕለዎት ሓዋርያውያን ኣካላትን፥ “ኣፍደገታት ተስፋ፡ ናብ ምኽፋት ቅዱስ ዓመት ብትንቢት ልደት” ብዝብል መርሕ ቃል ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ ዘመነ ምጽኣት ከም ዝቕረቡ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።
ህቡነት/ንኡስነት መዐቀኒ ዕብየት ኣምላኽ
ምድናቕን እምንቶን ኣብ ዝብል እርስቲ ተሞርኩይዞም ድሕሪ ዘቕረብዎ ክልተ ተኸታታሊ ኣስተንትኖ ኣባ ፓዞሊኒ ዘቕረብዎ ሳልሳይን ናይ መወዳእታን ኣስተንትኖ፥ “ደረት ንኡስነት” ኣብ ዝብል ኣምር ኣማእኪሎም፥ እዚ ደረት ንኡስነት እዚ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው መፍትሕ ምዃኑ ገሊጾም - ንኡስነት ድሩትነት ወይ ጕድለት ማለት ዘይኮነስ፡ ከምቲ ኣብ ጸልማት ምድሪ ዝበቍልን ዚዓብን ዘርኢ ዝኣመሰለ “ትሕትናን ስቕታን ዝመልኦ” ሓይሊ ምዃኑ የብርሁ።
እዚ ንኡስነት’ዚ፡ ሕቡእ መዐቀኒ ሓቀይና ዕብየት ኣምላኽ ምዃኑ ገሊጾም፥ ኣብ ዕብየቶም ከሰንዮም ብትሕትና ንርእሱ ናብ ደረጃ ካልኦት ናይ ዝወርድ ጐይታ መግለጺ እዩ።
ንኡስነት፥ “መለክዒ” ተግባራት ኣምላኽን “ምርጫታቱን መብጽዓታቱን ዝፍጸመሉ ቦታን” እዩ። “ናይቲ ካልእ ናይ ምህላው፡ ናይ ምስትንፋስን ናይ ምግላጽን መሰል ኣፍልጦ ዝህብ ሓቀይና ዝምድናታት ንምፍጣር ድሌት” ዝድረኽ ሕልናዊ ምርጫ’ዩ። ስለዚ ንእሽቶ ምዃን ማለት ካልኦት ፍልልያቶም ከይከወሉ ወይ ከይሓኸኹ ገዛእ ርእሶም ክኾኑ ንምፍቃድ “ንናይ ምትእስሳር ቦታታት ምኽፋት” ማለት እዩ።
“ቅድሚ ሰናይ ምግባርካ ንኡስ ኩን”
ኣብዚ ረቂቕ ግን ከኣ ወሳኒ ባህርይ ኣምላኽ ብዕምቆት ንምእታው ነቲ ምስላ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ከምቲ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕ. 25፡ 31 - 46 ተገሊጹ ዘሎ መሰረት ገይሮም፥ . . . ብባህሊ እዚ ጽሑፍ እዚ፡ ኣብ መወዳእታ ዘመን፡ ጐይታ ንደቂ ሰባት ብመዐቀኒ ሕውነታዊ ፍቕሪ ተመርኲሱ ክፈርዶም ምዃኑ እዩ ዝርዳእ።
ይኹን እምበር: እቲ ዝዓሞቐ ትርጕም እቲ ምሳሌ: ኵሎም ህዝብታት: እንኮላይ እቶም ወንጌል ዘይፈልጡ: ነቶም “ንኣሕዋት ጐይታ” ብዝገበርዎ ግብረ ሰናይ - ናይ ፍቕሪ ስራሕ ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ክኣትዉ ኸም ዚኽእሉ ገሊጹ እዩ።
ካብዚ ድማ “ንክርስትያን ዓቢን ከቢድን ሓላፍነት” ይቐርብ: እዚ ድማ “ንኻልኦት ጽቡቕ ምግባር” ጥራይ ዘይኰነስ “ንኻልኦት ሰናይ ኪገብሩ ምፍቃድ” እውን ዝበለጸ ሰብኣውነቶም ንኺገልጹ ኣኽኢልዎም እዩ።
ስለዚ ንኡስነት መዐቀኒ ምትእስሳርን ተኣማንነትን ንኣምላኽ ይኸውን . . . ቅድሚ ጽቡቕ ምግባርካ፡ ንነብስኻ ንእሽቶ ምግባር ምዝካር ጽቡቕን ኣድላዪን እዩ” እንክብሉ የዘኻኽሩ።
ንኡስነት ከም ስብከት ወንጌል
እግዚኣብሔር ደቁ ከመይ ጌሮም ከም ዘፍቅሩ ክፈልጡ ጥራይ ኣይኮነን ዝምነ . . . ንርእሶም ብኻልኦት ኪፍቀሩ ዝፈቕዱ ክኾኑ እውን ይደሊ እዩ።
እዚ ማለት ንኻልኦት “ሰናይን ለጋሳትን ናይ ምዃን ዕድል” ምቕራብ ማለት እዩ፣ እዚ ድማ እቲ ካልእ ሰብኣውነቱ ምሉእ ብምሉእ ንኽገልጽ ቦታ ዝህብ ዓሚቝ መገዲ ፍቕሪ እዩ።
ንብጻይካ ምፍቃር ማለት “ብለዋህነት ኣጽዋርካ ምፍታሕ” ቀረባ ምዃን ማለት እዩ፣ “ነቲ ተኣፋፍነቶም ክገጥሙን ክቕበልዎን” ምፍቃድ ከምኡ’ውን ነቲ “ኣዝዩ ከቢድ ስነ - ጥበብ ማለት ምፍቃር ዘይኮነስ ንርእስኻ ክትፍቀር ምፍቃድ” ምልምማድ ማለት ምዃኑ ኣስተብሂሎም፥ ከምኡ ስለዝኾነ ድማ ንኡስነት “ሓቀይና ተግባር ስብከተ ወንጌል” ማለት ብዕምቆት ዝፈጥሮ ኣነባብራን መግለጺ ሰብኣውነትን ይኸውን። እቲ ካልእ ድማ ናይ ሕውነታዊ ፍቕሪ ምልክታት ከቃልሕ የኽእሎ።
ኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ
“ንጐይታ ንምስዓብ መዐቀንን ኣካል ናይቲ ዝዓሞቐን መንነትና” ዝገበረ ኣብነት ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘኣሲዚ ጠቒሶም፥ ኣብ መንጎ ፍራንቸስኮን ሱልጣን ማሊክ ኣል ካሚልን ዝተፈጸመ ርክብ ኣጉሊሖም . . . ሱልጣን ድሕሪ እቲ ምስ ቅዱስ ፍራንቸስኮ ዘካየዶ ርክብ ዋላ እኳ እንተዘይተለወጠ፡ ነቲ ቅዱስ ዝሃቦ ዕድል ተጠቒሙ ብሉጽ ሓሳብ ንምግላጽ ንፍራንቸስኮ ኣብ ምቕባል ሓልዮት ክገብርን ኣብቂዕዎ እዩ . . . ክርስትያን ሰናይ ነገር ‘ናይ ምውናን ስልጣን’ የብሎምን” ስለዚ ካልኦት እውን ነዚ ክለማመድዎ ክፈቕድ ኣለዎ።
ንኻልኦት ከይፈረድካ ሓቀይና ምዃን
ካልእ መሰረታዊ መዳይ ምሳሌ ናይቲ ናይ መወዳእታ ፍርዲ እንከስተንትኑ: ቅድሚ ናይ መወዳእታ ፍርዲ ጐይታ ቅድሚ ግዜኡ ዝፍጸም ሰብኣዊ ፍርዲ ደው ንምባል ዘቕረቦ ጻውዒት . . . ንኻልኦት ምፍራድ እንተ ኣቋሪጽናዮ፡ ማለት ግደና እውን ስለ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገር ማለት ኣብ ሞሳን ሓቀይናነት ከነተኵር ከም እንኽእል ብምግላጽ፡ ሞሳ ዘይዕደግ ብናጻ እዩ ዝወሃብ።
ምሉእ ምስጋና
ደቅሰብ ንውልቃዊ ረብሓ ኣጋጣሚታት ዝረኽቡሉ ንጥፈትን ትጽቢት ካብ ምግባር ብምርሓቕ ነቲ እንኮ ናይ ሓቂ መገዲ ማለት "ናጻ ዝኾነ" ክቕበልዎ ይኽእሉ ኢዮም።
እዚ ድማ ካብቲ ብትጽቢት ጽግዕተይናነት ወይ ንውደራ ዝድረኽ ተግባራት ምርሓቕ የጠቓልል። ሽዑ ጥራይ ኢና ንርእስና ናብ “ዓሚቝን ጭቡጥን ሓጐስ” ክንከፍት እንኽእል፣ ነቲ ዋጋ ዘይብሉ ፍርሒ ሰጊርና ንርእስና ምሉእ ብምሉእ ክንህብ እንኽእል፣ ካልኦት እውን ከምኡ ክገብሩልና ክንፈቅድ ከም እንኽእል ይገልጹ።
ክብሪ ናይቲ ከየስተውዓልካ እትግበር ሰናይ ተግባር
“እቲ ዘይቀመራዊ (ከይሓሰብካ እትገብሮ) ሰናይ ተግባር” ናብ መንግስቲ ኣምላኽ ንምእታው ሓቀይና መፍትሒ እዩ - እቲ ከይተረድኣና ዝገበርናዮ ሰናይ ግን ካልኦት ዘለልይዎ . . . እቲ “ዓቢ ምግራም” ኣምላኽ “ካባና ዝኾነ ትጽቢት ከም ዘይነበሮ፣ ብፍቕሪ ንዕኡ ክንመስሎ ዘይተኣደነ ድሌት ጥራይ ከም ዝነበሮ ምስትውዓል እዩ፡
ኣብ መወዳእታ ዘገድስ ብዝሒ ጽቡቕ ወይ ሕማቕ ተግባራት ዘይኮነስ፡ ብእኡ ኣቢልና፡ ንርእስና ተቐቢልናን ገዛእ ርእስና ኮይንና ዲና ዝብል ምሉእ ብምሉ ገዛእ ርእስኻ ምዃን እዩ።
ተስፋ ንምቕራብ ንኡስነት ምሕቋፍ
በዓለ ልደትን ኢዮቤል ተስፋ 2025 ዓ.ም. እናቐረበ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ እዋን ኣባ ፓዞሊኒ ንኹሉ ሰብ “ንኡስነት ዘንጸባርቕ ተስፋ ወንጌል ከካፍል” ዓደሞም . . . እዚ ብፍላይ ኣብዛ "ተጻባኢት ወይ ዘይምግዳስ ዝመልኣ" እትመስል ዓለም ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ኣጕሊሖም፡ ቅዱስ ኣፍደገ ኢዮቤል “ብዓቢ ቅንዕና” ምስጋር የድሊ ምስ በሉ እቲ ዘቕረብዎ ሳልሳይ ኣስተንትኖ፥ ጸጋ ጐይታ ንደቅሰብ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ብተስፋ እናተጸበዩ "ጻዕራማት ሓረስቶት ዘርኢ ወንጌል" ኪገብሮም ብዝምህለል ጸሎት ቅዱስ ዓመት ከም እተዛዘመ ዜና ቫቲካን ኣፍሊጡ።