FILE PHOTO: Fleeing Sudanese seek refuge in Chad FILE PHOTO: Fleeing Sudanese seek refuge in Chad  (ZOHRA BENSEMRA)

ውግእ ሱዳን፦ ብሰንኪ ብርቱዕ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐትሉ

ወተሃደራት ሱዳን ኣብቲ እንተ ወሓደ 100 ዝዀኑ ሰላማውያን ሰባት እተቐትሉሉ ምዕራባዊ ዞባ ዳርፉር ዝርከብ ዕዳጋ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ብምፍጻሞም ተኸሲሶም ኣለዉ።

ኣባ ተወልደ መብራህቱ - ሃገረ ቫቲካን

ኣብታ ኣብ ሰሜን ዳርፉር እትርከብ ካብካቢያ እትበሃል ከተማ ልዕሊ ሸሞንተ ደብዳብ ቦምባታት ኣብ ሓደ ናይ ዕዳጋ ቦታ መጥቃዕቲ ብምክያድ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ሰላማውያን ሰባት ቀቲሎም ንብዙሓት ድማ ኣቝሲሎም ይርከቡ ኣለዉ።

እቲ ዝሓለፈ ሰኑይ ኣብ ሓደ ሰሙናዊ ዕዳጋ እተፈጸመ ጃምላዊ ቕትለት፣ ኣህጉራዊ ሕጊ ብዜስካሕክሕ መገዲ ይጥሕስ ኣሎ፣ ኣብ መንጎ እቲ ንሰራዊት ኣንጻር ወተሃደራዊ ቕልጡፍ ደገፍ ዚህብ ዜስካሕክሕ ውግእ ሓድሕድ ድማ እዩ እዚ ፍጻሜ ተረኺቡ ዘሎ፣ እዚ ድማ ኣብ ዓለም እቲ ዝኸፍአ ሰብኣዊ ናይ ግብረ ሰናይ ህጹጽ ኵነታት ኣስዒቡ ርከብ ኣሎ።

እቲ ኣብ መንጎ ሰራዊትን ተወርዋሪ ሰራዊት ድሕንነትን እተገብረ 20 ወርሒ ዝወሰደ ውግእ ስምምዕ ምቁራስ ተኹሲ ኣብ ዝገብረሉ ዘሎ እዋናት ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ ብጣዕሚ ደማዊ ግጭት እናኾነ ይኸይድ ኣሎ፣ ኣብ ካልእ ቦታታት ዘሎ ቅልውላዋት ንኣቓልቦ ዓለም ስለ ዝቈጻጸሮ ካብ ዓይኒ ዓለም ብምግላሉን ከይኣክል ኣብ ዝሓለፈ ሰኑየ ሰሉስ  እንተ ወሓደ 127 ሰላማውያን ሰባት ኣብ ሱዳን ተቐቲሎም ኣለዉ።

እቶም ተወርዋሪ ሓይልታት ኣብ ኣቝሻት ብርቱዕ ተዅሲ ጠበንጃን መጥቃዕቲ ደብዳብ ነፈርትን ይፍንዉ ኣለዉ ። ክልቲኦም ሓይልታት ነቲ ብዙሓት ተቐማጦ ዚነብሩሉ ሲቪላዊ ኸባቢ ኼጥቅዕዎ ጸኒሖም ውን ኣለዉ።

ሰራዊት ሱዳን ነታ ኣብቲ ዞባ ናይ መወዳእታ ዕርዲ ዝዀነት ኣል-ፋሺር ንምቍጽጻር ምስቶም ተወርወቲ ሓይልታት ኣብ ዝገብዎ ዘለዉ ግጭታት ኣህጉራውያን ተዓዘብትን ትካላት ግብረ - ሰናይን ከም ዝገለጽዎ ኣብ ዳርፉር ዓሌታዊ ምጽናት ኣስፋሕፊሑ ከም ዘሎን ገበናት ውግእን ብምዅናን ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጸማም ስቕታ እናሃቦ ኽነሱ ካልእ ጃምላዊ ቕትለት ክፍጸም ከም ዝኽእል ኣጠንቀቑ ።

ወተሃደራት ሱዳን ነቲ ኣብ ካባካቢያ ዝወረደ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ኸም ዘይኰነ ብምግላጽ ነቲ ብተወርዋሪ ሓይልታት ሓሳብ ኪወሃቦም ንዝቕረቦ መሕትት ብኡንብኡ መልሲ ኣይተዋህቦን ዘሎ ።

ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝወጸ ጸብጻባት ከም ዝሕብሮ ኣብቲ ዝቕጽል ዘሎ ውግኣት ኣስታት 60,000 ሰባት ከም እተቐትሉን ልዕሊ 30 ሚልዮን ዝዀኑ ኸኣ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣጋጢምዎም ተጸበይቲ ረድኤት ግብረ ሰናይ ኮይኖም ይርከቡ ኣለዉ፣ ኣብ ገሊኡ ኸባቢታት ጥሜት ኣስፋሕፊሑ ብምህላዉ ልዕሊ 12 ሚልዮን ሰባት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ ኣለዉ።

13 December 2024, 08:56